March 9, 2013

8 መጋቢት ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ብድምቀት ተዘኪራ።

8 መጋቢት ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለየ
ንጥፈታት ብድምቀት ተዘኪራ።

8 መጋቢት ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለየ  ንጥፈታት ብድምቀት ተዘኪራ። 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ፣ “ዕዙዝ ሱታፌ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወፍሪ ደራኺ ንሃገራዊ ልምዓት” ብዝብል ቴማ ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ብድምቀት ከምእተዘከረት፣ ወከልቲ ኤሪና ከካብ ቦታኡ ሓቢሮም።

ብመሰረት’ቲ ዝበጽሓና ጸብጻባት፣ ከም ኣካል ናይ’ቲ ነዛ ዕለት ንምድማቕ ክካየድ ዝቐነየ ዝተፈላለየ መደባት፣ ኣብ ሩባ ቶኮር – ዞባ ማእከል ዝተዳለወ ንታሪኽን ቅያን ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ዘንጸባርቕ ቅብኣ ተመሪቑ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ገብረማርያም ዝርከቦም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ካልኦትን ዕዱማትን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፣ ካብ ኣዋሃሃዲት ኮሚቴ – ወይዘሮ ኣልማዝ ልጃም ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፣ እቲ ቅብኣ ኣብ ታሪኽ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ከምዚ ዝበለ ገላጺ ጥበብ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርና ክህሉ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣስሚራትሉ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት ብወገኑ፣ ህዝባዊ ግንባር – ሕቶ ደቂኣንስትዮ ካብ ሃገራዊ ሕቶ ፈሊኻ ዘይርአን ብዘይ ተሳትፎአን ሰውራ ክዕወት ከምዘይክእልን ኣሚኑ ንማዕርነተን ከምእተቓለሰን ጥጡሕ ባይታ ከምዝፈጠረለንን ብምግላጽ፣ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ረኺበንኦ ዘለዋ ማሕበራዊ ክብሪን ዘርእይኦ ዘለዋ ዕዙዝ ተሳትፎን ውጽኢት ናቱ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ብደረጃ ዞባ ደቡብ ኣብ ከባቢ ማይ-ጸብሪ – ንኡስ ዞባ ዓዲዃላ ኣብ ዝተኻየደ ብባህላዊ መደብ ዝተሰነየ ስነ-ስርዓት ድማ፣ ኣካያዲት ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ፋና ተስፋማርያም ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፣ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ንዘመዝግብኦ ዘለዋ ዓወታት ብምዕቃብ፣ ኣብ ምምካትን ምጥፋእን ጎዳእቲ ልምድታት ጻዕርታተን ከሐይላ ተላብያ።

ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ጽንብል ድማ፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ መሓመድ ሓምድ፣ ብልዑል መስዋእትነትን ትውፊትን ክውንቲ ዝኾነት ሃገር ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፣ ደቂኣንስትዮ ተራሕዩለን ንዘሎ ዕድላት ብግቡእ ተጠቒመን ሱታፌን ከዕዝዛ ብምዝኽኻር፣ ምምሕዳር ዞባ ኣብ ኩሉ ዘካይዶ ንጥፈታት ሱታፌአን ንምምርግጋጽ ኣበርቲዑ ክዓዪ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሰለስቲኡ ኣጋጣሚታት፣ ሓለፍቲ ጨናፍር ሃማደኤ ኣብ’ተን ዞባታት፣ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ መደባት ዘበርክትኦ ዘለዋ ልዑል እጃም ውጽኢት ልዑል ንቕሓተን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ንዝበረኸ ውጽኢት ኣበርክቶ ናይ ኩለን ኣካላት ክሕይል ከምዝግባእ ኣስሚረናሉ።

ኣብ’ቲ ጽንብላት፣ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምኡ’ውን ኣብ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርተን ብሉጽ ነጥቢ ብምምጻእ ጸብለል ዝበላ ደቂኣንስትዮን ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣብ ዝተሰርዐ ውድድራት ዝተዓወታን ሽልማት ተቐቢለን።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...