March 30, 2011

ኣብ ሕግን ሕጋጋትን ክፍሊ ጉምሩክ ዘሎ ድሩት ኣፍልጦ፣ ኣብ ኣሳልጦ ስራሕ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ሕግን ሕጋጋትን ክፍሊ ጉምሩክ ዘሎ ድሩት ኣፍልጦ፣ ኣብ ኣሳልጦ ስራሕ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ሕግን ሕጋጋትን ክፍሊ ጉምሩክ ዘሎ ድሩት ኣፍልጦ፣ ኣብ መስርሕ እታዋትን ሰደድን ጠንቂ ዘይተደልየ ምብኻን ግዜ፣ ሃልክን ተወሳኺ ወጻኢታትን ይኸውን ስለዘሎ፣ ተገልገልቲ ንብረት ቅድሚ ምእታዎም ነቲ ሕግን ሕጋጋትን ብግቡእ ክፈልጡን ዘድሊ ቅጥዕታትን መምርሒታትን ከማልኡን ከምዝግባእ፣ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ጉምሩክ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ገሊጹ።

ኣቶ ፍስሃየ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ሰብ ንብረት ነቲ በብእዋኑ ዝወጽእ ሕጋጋት ክፈልጡ፤ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝደልዩሉ ድማ ናብ ንቝጣታት ክፍሊ ጉምሩክ ብምኻድ ክውከሱ፤ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ምስ ዝኾኑ ድማ ዝኾነ ንብረት ናብ ሃገሮም ቅድሚ ምእታዎም ካብ ቆንስላትን ኤምባሲታትን ዘድሊ ሓበሬታ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኣነጺሩ።

ኣብ ኤርትራ ሰለስተ ዓይነት ኣገባብ ኣከፋፍላ ግብርን ቀረጽን ማለት ግብሪ ጉምሩክ፣ መሸጣ ቀረጽን ተወሳኺ ቀረጽን ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ፍስሃየ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝስራሓሉ ዘሎ ካብ 2 ክሳብ 25 ሚእታዊት ዝዝርጋሕ ታሪፍ እትዋት፣ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ርትዓውን ንንግዲ ዘተባብዕን ምዃኑ ብምምልካት፣ ህዝቢ ኣፍልጦኡ ኣበሪኹ ብግቡእ ክጥቀመሉ ኣስሚሩሉ።

ምደባ ኣቕሑ በብእዋኑ ብደረጃ ዓለማዊ ውድብ ጉምሩክ ከምዝሕደስን ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ናይ 2012 ኣገባብ ኣሰራርሓ ክስገር ምዃኑን ዝሓበረ ኣቶ ፍስሃየ፣ እዋናዊ መለለዪ ቊጽሪ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣቑሑ ብዓለም ደረጃ ሓደ ዓይነት ከምዝኾነ፤ ንምጣነ ዝምልከት ግን ከከም ኣድላይነት ናይቲ ንብረት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ከምዝፈላለ ኣብሪሁ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ጉምሩክ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ኣብ መወዳእታ፣ ዘይምፍላጥ ካብ ተሓታትነት ናጻ ስለዘይገብር፣ ካብ ዝተፈቕደሉ መጠን ኣቕሑ ንላዕሊ ዘእተወ፤ ዝተመስርሐ ቅብሊት ዝተጠቕመ፤ ብነቊጣታት ጉምሩክን ካልእ ቦታታትን ጥሕሳ ዝፈጸመ ተገልጋሊ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰዶ ጠቒሱ፣ ሕጋዊ መስርሕ ዘማልአ ግን ስሉጥ ኣገልግሎት ካብ ምርካብ ዝዓግቶ ከምዘየለ ኣረዲኡ።

 

******* ኣ.ዜ.ኤ.*******

Eritrea’s delegation toured Indian development...

Eritrean senior delegation on working visit to...

The Demise of the TPLF Junta: Ashes to Ashes, Dust...

Eritrea will participate in ‘Greening...

Ethiopian Prime Minster winds visit to Asmara

March in Eritrea’s History