February 21, 2021

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ቀዳማይ ክፋል፥ ዞባዊ ጉዳያት

 ሙሉእ ቅዳሕ (Full Transcript)

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ብረቡዕ 17 ለካቲት 2021 ብሬድዮን ቴለቪዥንን ኤርትራ ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ቃለ-መሕትት ኣካይዱ ነይሩ። ዝርዝር ትሕዝቶኡ ይስዕብ፦

  • ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብጃንዳ ወያነ ዝተወስደ ሰፊሕን ኣዳህላሊን መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራዊ ግጭትን ምእላይ ናይቲ ጃንዳን ኣስዒቡ ኣሎ። እዚ ኩነታት እዚ ኣመቱ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ጽልዋኡ ብደረጃ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኣብ መስርሕ ሰላምን ዝምድናን ኤርትራን ኢትዮጵያን ከመይ ይግምገም?

= ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዕረያ ወይ ጽገና ተበግሶ ምስ ተወስደ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ምስ ኤርትራ ጽቡቕ ዝምድና ምምስራት፡ ‘ፍቕሪ፡ ሰላም፡ ምትሕግጋዝ’ ዝብል ምርጫ ምውሳዱ፡ ከም መቐይሮ ዝሕሰብ እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ምስተኣወጀ ዝነበረ ህዝባዊ ስምዒት ኩልና ንዝክሮ እዩ። ሰላም ኮይኑ፡ ቀሲንና ክንነብር ኢና፡ ኣብ ልምዓት ከምዝን ከምቲን ክንገብር ኢና ዝብል ተስፋ ፈጢሩ። ኣመት ናይዚ ሃዋህው’ዚ፡ ጸወታታት ጃንዳ ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘብቀዐ ዘረጋግጽ እዩ ነይሩ። Read more

February 18, 2021

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ህልዊ ዞባዊ...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ህልዊ ዞባዊ ምዕባለታትን ዘቤታዊ ኩነታትን ዝቐንዐ ሰፊሕ ቃለ-መሕትት ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ ረቡዕ 17 ለካቲት፡ ብሬድዮን ቴለቪዥንን ብቐጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባዊን ሃገራዊን ዛዕባታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት፡ ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ማይ ኣብ መንጎ ሃገራት ተፋሰስ ኒል፡ ዝምድና ኤርትራ ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓረብን፡ ለበዳ ኮቪድ 19ን መርሓ ጎደና ኤርትራ ኣብ ምክልኻሉን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀዳምነታት ሃገራዊ መደባት ልምዓት 2021 ዝቐንዐ እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብቲ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ-መሕትት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ነጥቢታት ኣነጺሩ። Read more

Women in Health care

Towards Better Health and Dignity

The beauty in Eritrean religious ceremonies

Mental Illness and Disorders: A Snapshot

The International Year of Health and Care Workers

Birth of a Lake – Part I