January 14, 2021

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 14 ጥሪ ኣብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ዞባታት ማእከል፡ ጋሽ-ባርካን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 209 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ። ካብ’ዚኦም፡ 41 ኣብ ዞባ ማእከል ማለት 36 ኣብ መወሸቢ ማእከላት 5 ድማ ኣብ ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማት ኣስመራ፣ 32 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሻምብቆ – ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ 136 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ደቡብ ማለት 78 ኣብ ሰንዓፈ፡ 14 ኣብ ዑበል፡ 13 ኣብ ማይ-ድማ፡ 12 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ፡ 7 ኣብ ማይ-ምነ፡ 5 ኣብ ዓዲ-ዃላ፡ 4 ኣብ እንዳገርግስ፡ 2 ኣብ መንደፈራ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ዓዲ-ዀተዮ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም። Read more

Women in Health care

Towards Better Health and Dignity

The beauty in Eritrean religious ceremonies

Mental Illness and Disorders: A Snapshot

The International Year of Health and Care Workers

Birth of a Lake – Part I