May 25, 2018

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ወዝቢ ምስ ዓመተ ሓርነትና ዝተጋጠመ – መዋእል እንኮ-ቐጽራዊ ስርዓት ተራሕዩ ተባሂሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝተራእየ ሃለኽለኽን፡ ዘኸተሎ ዕንወትን፡ ናይ ትማሊ ድብቱር ዛንታ’ዩ። እዚ ዝተባህለ “እንኮቐጽራዊ” ዓለማዊ ስርዓት፡ ከምቲ ዝተነበዩሉ ዘይኰነ፡ ዕምሩ ናብ ምሕጻር፤ ዘሎናዮ ርቡጽ ኩነታት ከኣ፡ ዕላመታት (symptoms) ናይ ምስግጋር መድረኽ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ናበይ ዝወስድ መሰጋገሪ መድረኽ? ክንደይ’ከ ይወስድ ይኸውን? ናብ ብዙሐ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ዝብሉ ኣለዉ። ናይ መነመን፡ ብዙሓት? ኣመሪካ? ቻይና? ሩስያ? ህንዲ? ኤውሮጳ? እንታይ ዝመስል ምጽ’ንባር (combinations) ወይ ዝንቕ-ሚዛን ክህልዎ ይኽእል? በየናይ ስርዓተ-ክብሪታት (value system) ዝግዛእ? ንዞባና’ኸ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል?. . . ብዙሓት ሕቶታት ዘበጋግስ’ዩ። ንርዱእ ምኽንያታት፡ ናይ ክልተ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ናፍቖት ኪህልወና ኣይክእልን፤ ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና ስለዝሰገርናዮ። ነዚ Read more

May 15, 2018

መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና

መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና

“ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ንካርቱም ኣብ ዝገበሮ ኣጋጣሚ ዑደት፡ ክልቲኣቶም መንግስታት ‘ንዕጡቓት ተቓውምቲ ኤርትራ’ ዝብልዎም፡ ብዝግባእ ተርኦም ምእንቲ ከሰላስሉ፡ ኣብ ደዶባቶም ምሉእ ደገፍ ኪህብዎምን ኣብ ዶባቶም ካብን ናብን ብሓርነት ኪንቀሳቐሱ መሳለጥያታት ከዋድዱሎምን ተሰማሚዖም። ምውህሃድ ናይ’ቲ ስርሒታት ዘድምዕ ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ካርቱም ኤምባሲ ከም ቈንስልን ኣወሃሃዲ ቐጠር ትምውሎም ጅሃዳዊ ውድባት ዝሰርሕን ቡርሃን ዝተባህለ፡ ብወገን መንግስቲ ሱዳን ከኣ ልዋእ (ጀነራል) ሓምዲ ኣል’ሙስጣፋ ከም ኣወሃሃድቲ ስርሒታት ተመዚዞም።” ተባሂሉ። እቲ ዛንታ ሓድሽን ዘገርምን’ኳ ተዘይኰነ፡ ዓጀብ ዘብል’ዩ።
ሚኒስትሪ ዜና 14 ግንቦት 2018 – ኣስመራ

ባይቶ ጸጥታን ኤርትራን ምኽንያት ምሕላፍን...

Eritrean community festival in Jeddah

President Isaias receives message from Kenyan...

Messages of congratulations

Press Statement – Issue is not the lifting...

Joint Statement of the Bahr Dar Meeting Between...