August 18, 2017

ብዛዕባ ሓርበኛ ተጋዳላይ ብ/ጀ ሙሳ መሓመድ ሓምድ...

ብዛዕባ ሓርበኛ ተጋዳላይ ብ/ጀ ሙሳ መሓመድ ሓምድ (ሙሳ ራብዓን)

August 14, 2017

ዋዕላ ‘ውዳቤታት ህግደፍ’ ኣብ ኣመሪካ ተዛዚሙ

ዋዕላ ‘ውዳቤታት ህግደፍ’ ኣብ ኣመሪካ ተዛዚሙ

“ኪዳን ወለዶታት – ንልምዓታዊ ሽርክነት” ብዝብል መሪሕ ቴማ፡ ኣብ ከተማ ስያትል ክካየድ ዝቐነየ መበል 13 ዓመታዊ ዋዕላ ውዳቤታት ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተዛዚሙ። ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ካብ ኣስመራ ናብ ዋዕለኛታት ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ዮሃናኡ ገሊጹሎም። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት ድማ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርን መድረኻዊ ተልእኾን ዘተኰረ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣብ’ቲ ካብ 9 ክሳብ 11 ነሓሰ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሱታፈ ዝተረጋገጸሉ ዋዕላ፡ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ድሕሪ ምዝታይ፡ ውዳቤታት ህግደፍ ብምሕያልን ንጥፈታተን ብምውህሃድን፡ ሃገራዊ ዋዕላ ‘ውዳቤታት ህግደፍ’ ኣብ ኣመሪካ ተዛዚሙ መደባት መኸተን ልምዓትን ንምድንፋዕ ኣብ ዝሕግዙ መደባት ተዘትዩን፡ ውጥን ስራሕ ዝሓዘ ደምዳሚ መግለጺ ወጺኡን። “ዋዕላ ስያትል፡ ተልእኾ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዘጒልሐ፡ ሓይሊ ውዳቤታትና ዘረጋገጸ፡ ንወለዶታት ከም ሰንሰለታዊ ቀለቤት ዘተኣሳሰረ’ዩ” ዝበለ እቲ ደምዳሚ መግለጺ፡ ሃገራዊ ድሕነት፡ ክብሪ ልኡላውነት ሃገርን ቊጠባዊ ሕውየትን – ልዕሊ ዝኾነ ስለ ዝስራዕ፡ ውዳቤታት ህግደፍ ከም ናይ ቀዳምነታቶም ቀዳምነት ሰሪዖም፡ ብግቡእ ክሕብሕብዎን ብንቕሓት ክሰርሑሉን ኣዘኻኺሩ። ነቲ ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራውያን- ኣመሪካውያን ዝተወደበ ዓመታዊ ዋዕላ፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ውዳቤታት ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካብ ካልኦት ሃገራት

The National Unity and Identity of Eritrea

Our Greatest Resource and Most Precious Asset

September 1st: a Road to Liberty and Dignity

Eritrean community festival in US

Graduation of members of 33rd round of National...

International Youth Day observed