June 30, 2017

ኤርትራን ካዛኽስታንን ክልተኣዊ ዝምድናታት ...

ኤርትራን ካዛኽስታንን ክልተኣዊ ዝምድናታት
ንምምዕባል ተሰማሚዐን

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐን ኣመኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣምባሳደር ጴጥሮስ ጸጋይን ዝርከብዎን ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ካዛኽስታን ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብረቡዕ 28 ሰነ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካዛኽስታን ካሪያት ኣብድራኽማኖቭ ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ክልተኣዊ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ቊጠባውን ዝምድናታት ንምምዕባል ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ኣስታና ዝተገብረ ሕውነታዊ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ንግድን ወፍሪ ኣብ ጽላት ዕደናን፡ ከምኡ’ውን ሕርሻን መጓዓዝያን ካብ ቀዳምነታት ናይ’ቲ ሽርክነት ክኸውን ተረዳዲኦም። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ኤክስፖ ኣስታና 2017 ዑደት ፈጺሙ።

June 25, 2017

Tour de France in Düsseldorf

ህቡባን ኤርትራውያን ተቐዳምቲ ብሽግለታ ዝሳተፍዎ Tour de France ዕለት 1 ክሳብ 2 .2017 ኣብ ከተማ ድዙልዶርፍ ከምኡ ውን ከተማ ሙንሽንግላድባኽ ክካየድ ስለ ዝኾነ ፡ ኩላህና ኣብቲ ቦታ ተረኺብና ንኸነተባብዖም ብክብሪ ንሕብር

Etappe 1 – Duessledorf | Etappe 2 Duesseldorf – Moenchengladbach

June 24, 2017

((ደጊድ ሰላም ዶ ኮነ )) ብተጋ. ኣሸናፊ ኣብርሃም(...

((ደጊድ ሰላም ዶ ኮነ )) ብተጋ. ኣሸናፊ ኣብርሃም( ኣሼ) ጀርመን

June 11, 2017

ትንተናዊ ንባብ ንመልእኽቲ ፕረዚደንት ኤርትራ...

ትንተናዊ ንባብ ንመልእኽቲ ፕረዚደንት ኤርትራ
ናብ ባይቶ ጸጥታን መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ኣብ ልዕሊ መሬትን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝተፈጸመ ዓመጽን ተጻብኦን ብዛዕባ ዝእለየሉ መገዲ ኣመልኪቱ ብ31 ግንቦት 2017 ናብ ባይቶ ጸጥታን ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን መልእኽቲ ሰዲዱ። መልእኽቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ባይቶ ጸጥታ ብመሰረት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተሉ ዕላማታትን ሓላፍነታትን ብብሩህ ዘነጸረ ቀንዲ ጉዳያት ዘስፈረ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ ነቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንምልዑ ምኽንያት ዝኾኑ ጠንቂታት፡ ብ12 ታሕሳስ 2000 ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ፡ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝሓለፈ ውሳነ ኮምሽን ዶብ፡ ብ2009 ብባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ ውሳነ እገዳ፡ ክሲታት ብዛዕባ ዘይምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን መርበባት ንግዲ ደቂ ሰብን ተኸታታሊ ተጻብኦ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ድሕሪ ምዝርዛር ኣብ መጨረስታ ባይቶ ጸጥታ ንግህሰት ኣህጉራዊ ሕጊታትን ጐበጣ መሬት ኤርትራ ብስርዓት ኢትዮጵያን ደው ከብሎ ኣዘኻኺሩ። AS PDF

June 12, 2017

ነቲ ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ሃገረ ቐጠርን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት፡ “ኤርትራ፡ ምስ ሃገረ ቐጠር ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ፡ ካብ ሚኒስትሪታት ጉዳያት ወጻኢ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሕቶ ከምዝቐረበላን ከምዝነጸገቶን” ኣምሲሉ ዝተፈብረኸ ወረ፡ ብ7 ሰነ ብስም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተተምየነ ወግዓዊ ወረቐት ናይ’ቲ ሚኒስትሪ፡ ብቋንቋ ዓረብ ተለጢፉ ተዘርጊሑ’ሎ። እዚ ወረ’ዚ፡ መሰረት ዘይብሉ ውጹእ ሓሶት’ዩ።

A Look Back on Eritrea’s Historic 1993...

5th YPFDJ Conference in Saudi Arabia concludes

Sixteen years of unbridled violence and defiance

Cabinet of Ministers holds meeting

14th YPFDJ Conference concludes

14th YPFDJ conference in Europe underway