August 8, 2016

ስርዓት ኢትዮጵያ ብዝወልዖ ሓዊ ይነድድ!!

ስርዓት ኢትዮጵያ ብዝወልዖ ሓዊ ይነድድ!!

ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ስርዓት ኢትዮጵያ ብዝወልዖ ሓዊ ይነድድ!!ኣብ ክልል ጎንደር ሰሜን ኢትዮጵያ ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝሳተፍዎ ዘለዉ ሓያል ተቃውሞ ኣንጻር’ቲ ስርዓት ይካየድ ኣሎ። ስርዓት ወያነ ነቲ ተቃውሞ ንምብርዓን ክሳብ ከበድቲ ኣጽዋር’ኳ እንተ ተጠቅመ ደው ከብሎ ግን ኣይከኣለን። ከምውጽኢቱ ከኣ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። እዚ ድማ ነቲ ኩነታት ስለዘጋደዶ ብሄር ኣምሓራ ጥራይ ዘይኮኑ ዝበዝሑ ካብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ይሳተፍዎ ኣለዉ። እዚ ምንቅስቃስ’ዚ ካብ’ቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ማሕበራውን ተቃውሞ ተፈልዩ ዝርአ ዘይኮነስ፡ መቀጸልታ ናይ’ዚ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣንኮላይ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው እዩ። እዚ ካብ ቅድሚ ርብዒ ዘመን ዝጀመረ ሽግራት ኢትዮጵያ ክሳብ ዓንቀሩ መሊኡ ካብ ሕጂ ንነው ዋላ ንእሽቶ ጸገም’ውን እ ንተኮነ ክጻወር ዝኽእል ኣይኮነን። ኣብ ክልል ጎንደር ዝተወልዐ ህዝባዊ ተቃውሞ ብሰንኪ’ቲ ማእከላይ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰማማዓሉ ፈደራላዊ ክልል ትግራይ ኣብ 1997 ዘውጽኦ ንናይ ጎንደር ዞባ ዋልቃይት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘእተወ ሓድሽ ካርታ እዩ። ኣብ ክልል ኦሮምያ’ውን እንተኾነ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስቡሕ መሬት ሓረስቶት ካብ ዋናታቱ ብደማዊ ወተሃደራዊ ስርሒታትን ጸጥታዊ ሓይሊን እናመንዝዐን ሂወታት ዜጋታት ኣብ መጻብቦ ብምእታውን ንወጻእተኛታት ብምሻጡን ብምክራዩን ተቃውሞ ተወሊዑ። ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ’ውን እንተኾኑ ከም ሶማልን ዓፋርን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ንስርዓት ወያነ ኣብ ምቅዋም ይርከቡ። Read more

President Isaias’ speech in connection with the...

Eritrean nationals celebrate Independence Day...

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

Independence Day celebrations

Workshop on Preserving Ancient Manuscripts

A Look Back on Eritrea’s Historic 1993...