ክፍላተ-ሰራዊት 70ን 16ን ነበር ዝኽሪ ዛዛሚ ኲናት...
ክፍላተ-ሰራዊት 70ን 16ን ነበር
ዝኽሪ ዛዛሚ ኲናት ይጽምብሉ
ማሕበር ምትሕግጋዝ ክፍላተ- ሰራዊት 70ን 16ን ነበር፡ ብ23 ሚያዝያ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተረኽበሉ ስነ-ስርዓት፡ ዝኽሪ 25 ዓመት ዛዛሚ ኲናት ጸምቢሎም። PDF
ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ወረቐት ስራሑ ኣቕሪቡ
ኣምባሳደር እስቲፋኖስ
ወረቐት ስራሑ ኣቕሪቡ
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ብ12 ሚያዝያ ወረቐት ስራሑ ንፕረዚደንት ኣየርላንድ ማይክል ሂግንስ ኣረኪቡ። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ፡ መልእኽቲ ሰናይ ምንዮት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምቕራብ፡ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን ምስ ህዝብን መንግስትን ሪፓብሊክ ኣየርላንድ፡ ውዱን ሽርክነት ብምፍጣር ድልዱል ዝምድና ክህልዎም ከምዝደልዩን ከምዝሰርሑሉን ገሊጹ። ፕረዚደንት ማይክል ሂግንስ ብወገኑ፡ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ኣብ ጉዕዞ ልምዓትን ሰላምን ንዘመዝግቡዎ ዘለዉ ገስጋስ ኣድናቖቱ ብምግላጽ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ብልጽግና ተመንዩ። ዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋጽ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ብሓባር ክትሰርሕ ዘለዋ ቅሩብነት ድማ ኣረጋጊጹ።
ጋዜጣዊ መግለጺ – ውሳነ ፓርላማ ኤውሮጳዊ...
ጋዜጣዊ መግለጺ – ውሳነ ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ
ጉዳይ ኤርትራ – ካብ ግጉይ ሓበሬታዶ ወይስ ፖለቲካዊ ኣድልዎ?
Read the full PDF here
ጉጅለ ሽግለታ ኤርትራውያን ንሓቅን ሰላምን...
ጉጅለ ሽግለታ ኤርትራውያን ንሓቅን ሰላምን ፍትርሕን ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማታት ኪል ፡ሃቦርግ፡ ሃኖቮር፡ካስል ኣቢሎም ኣብ ጊስን፡ ብዕለት 04.04.2015 ኣብ ዝበጽሕሉ
ጉጅለ ሽግለታ ኤርትራውያን ንሓቅን ሰላምን ፍትርሕን ብድሕሪ 1700 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ዝሸፈነ ጉዕዞ ካብ ከተማ ዮቶቦሪ ሃገረ ስዊዲን እተበገሰ ፡ ንሃገረ ጀርመን ከተማታት ኪል ፡ሃቦርግ፡ ሃኖቮር፡
ካስል ኣቢሎም ኣብ ጊስን፡ ብዕለት 04.04.2015 ጉዕዞኦም ብሰላም ዝበጽሕሉ ካብ ተፈላለያ ከተማታት ዝመጹ ኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ሃገሮም ኣብ ማእከል ከተማ ጊስን ባንዴራ ሃገሮም እናምበልበሉ ብዉዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ተቐበልዎም። picasaweb.google.com