መግለጺ ዝምድናታት ወጻኢ
መግለጺ ዝምድናታት ወጻኢ
Human trafficking ከም ውዱብ ዓለማዊ ገበን፡ ዓቢ ዋኒን (business) ካብ ዝኸውን፡ ዓመታት ከይዱ’ሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ እቲ ውዱብ ገበን፡ ካብ “ንቡር” ናይ ማፍያ ዋኒን ምዃን ሓሊፉ፡ ንባዕሎም እቶም ውዱባቱ፡ ገበናቶም PDF
ታሪኻዊ ተጻብኦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ...
ታሪኻዊ ተጻብኦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ እንታይ’ዩ ዕላማኡ.?!
ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ27 ሰነ 2014 ዘቆሞ ኮምሽን መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንዓመት ምሉእ ዘካየዶ 484 ገጻት ዝሓዘ ውጹእ ሓሶትን ኣጸላምን ጸብጻቡ ብ8 ሰነ 2015 ኣቕሪቡ። እዚ ጸብጻብ’ዚ ድማ ብ23 ሰነ 2015 ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጄነቫ ቀሪቡ።
እቲ ጸብጻብ ኣብ መእተዊኡ ጥንታዊ ታሪኽ ኤርትራ ብምጥቃስ፡ 5000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዕድመ ዘለዎ ናይ ሕርሻ ቅርሲታት ከም ዘሎ ብምምልካት፡ ኤርትራ 25 ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብፎርዖናውያን ምስሪ መሬት ቡንት ተባሂላ ትግለጽ ምንባራ የረድእ።
ኣብዚ ንዓና ዘገድሰና ግን እቲ ኮምሽን ናብ’ቲ ኣቀዲሙ ዝወጠኖ ዕላማ ንምብጻሕ ኣብ ጸብጻቡ ብመደብ ኮነ ኢሉ ነቲ ኣብ ዓለም ዝተሰነደ ታሪኻዊ ሓቂታት ንምጥምዛዝ ዝተጠቅመሉ ኣነዋሪ ኣገባባት ምብራህ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኣርካይቭ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንባዕሉ ተዓቂቡ ዘሎ እዩ። ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕብራዊ፡ ቊጠባውን ባህላውን ሽግራት ዝፈጠረ ዓበይቲ ታሪኻውን ፖለቲካውን ፍጻመታት ኣጋጢሞም እዮም። ብሰንኩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንፍርቂ ዘመን (1941-1991) ምሉእ ዝኣክል ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ብምክያድ ልዕሊ 65 ሽሕ ብሉጻት ደቁ መስዋእቲ ብምኽፋል ናጽነቱ ጨቢጡ። PDF
ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዳኒኤል...
ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡
ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ሻውዓይ ኣትዩ
Read th full PDF here
መልሲ ንፈኸራታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ
መልሲ ንፈኸራታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ
ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ’ቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ውሽጣዊ ሽግራት ሃገሩ ንምህዳምን ንዓማጽን ኣስፋሕፋሒን ፖሊሲኡ ንምንጽብራቕን ብ7 ሓምለ 2015 ኣብ ኣኼባ ፕርላማ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝቀንዐ ናይ ምፍርራሕን ፈኸራን መደረ ኣስሚዑ። ነዚ ንኤርትራ ከም መኸወሊ ሽግራት ኢትዮጵያ ክትኮኖ ዝመረጻን ከም ወኪል ንጎይቶቱ ንምዕጋብን ዘስምዖ ፈኸራ፡ ቅድሚ ምምላስና ግን፡ ነቲ ፈረንሳዊ ጽሓፍን ተመራማርን ብዛዕባ ስነ-ኣእምራዊ ኩነታት ሃይለማርያምን ውሽጣዊ ሽግራት ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ዘቅረቦ ጽሑፍ፡ ከምኡ ድማ ምስራዊ ጽሓፊ ብዛዕባ ዞባዊ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ዘቅረቦ ትንተናን ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። PDF