ስደት ፋይዳ ሓሶት መብጽዓ!!! ብዶ/ር በረከት ፈዳይ...
ስደት ፋይዳ ሓሶት መብጽዓ!!!
ብዶ/ር በረከት ፈዳይ ( ወዲ ፈዳይ)
ዘለናዮ ዘመነ-ዓውለማነት ንቴክኖሎጂ ሰረት ብምግባር ብረቂቕ ሓይሊ ኣቢሉ ኣብ መንጎ ትካላትን ሃገራትን ስግረ-ዶባዊ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢሉ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ዝምድናታት ፈጢርካ ዓለምና ናብ ቁሸት ንምቕያር ዘተባብዕ፡ ናይ ዘመንና ህያብ ተባሂሉ ይግምገም እዩ። ምዕራባውያን ኣዝዩ ብዝተራቐቐ ስልቲ ነቲ ዘለዎም ዓለማዊ ቁጠባዊ ዓብላልነት ርሒብ ተጠቂሞም፡ ንረቂቕ ሓይሎም ኣማእኪሎም እቲ እንኮ ተመራጺ ባህሊ ዓለምና ምዕራባዊ ባህሊ ምዃኑ ከእምኑ ንኣእሙሮ ሕብረተሰብ ዓለም ዘሪዖም ንዓመታት ስለዝሰርሕሉ፡ ብሰንኩ ሎሚ ኣብ ዓለምና ዝበለጸ መነባብሮ ያኢ ንኽረኽቡ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘቛምቱ ቁጽሪ ስደተኛታት ብዘስደምም ጻኦታዊ( Exodus ) ዋሕዚ ክስደዱ ዓለምና ትምስክር ዘላ። “ እቲ ዝሓየለ መሳርሒ ኣብ ኢድ ገዛእቲ ዘሎ ፡ እቲ ሓንጎል ናይቲ ግዙእ እዩ ” ክብል ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ስቲቨን ቢኮ ዝተባህለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጣባቒ ጸረ-ዓሌትነት ከምዝገለጾ፡ ወዲ-ሰብ ብኣተሓሳስብኡ እንተድኣ ተሳዒሩን ርዒሙን እቲ ቃልሲ ኣብቂዑ ማለት ስለዝኾነ፡ ኣቲናዮ ዘሎና መዋእል ኣተሓሳስባ ደቂ-ሰባት ንምስዓር ዝግበር ናይ ሓንጎል ወራር ዝካየደሉ ዘሎ ዘመን ስለዝኾነ ንቕሓትና ክንፍትሽን ክንስሕልን ዝሕተተሉ ዘሎ እዋን እዩ። Read more
በሸፍጥ ሀገር ሲናጥ
በሸፍጥ ሀገር ሲናጥ
እንደወትሮው ከኢትዮጵያ የሚመጡ ዜናዎች አያስደስቱም፤ ሀገራችን ከጥፋት ማማ ላይ መድረሷን ያሳያሉ። ለአራት ጊዜ በሸፍጥ ተመርጫለሁ ብሎ ሥልጣን ላይ ቂጥ ያለው ወያኔ ለአምስት ጊዜ ሊያወናብድ እየተዘጋጀ ነው። በየጊዜው ጥቂቶች ብቻ በገሃድ የምርጫውን ሸፍጥነት ሲያጋልጡ ምዕላተ ሕዝቡ Read more
ማሕበረ ኮማት ሱዳን፡ ኣብ ሃዋሁው ናጽነት
ማሕበረ ኮማት ሱዳን፡ ኣብ ሃዋሁው ናጽነት
ኣብ ሱዳን፡ ምስ ክፍሊ ህዝባዊ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ጥቡቕ ናይ ስራሕ ርክባትን ዝምድናታትን ዘለዎ ኣርባዕተ ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮማትን ተወሰኽቲ ጨናፍርን ኣሎ። እዚ ማሕበረ-ኮማት እዚ፡ ኣብ ጥርናፈ ዜጋታትን ምዕባይ ተሳትፎ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትን ዘለዎ ተራ ከኣ ልዑል እዩ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2015፡ ኣብ ዞባታት ከሰላን ቀይሕ ባሕሪን ናይ ሱዳን ኣብ ዝተንቀሳቐስናሉ እዋን፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ማሕበረ-ኮማትን ኣብ ጽላሉ ዝዕምብብ ዘሎ ጨናፍር ሃገራውያን ምትእኽኻባትን ከምኡ’ውን ብቤት ጽሕፈት ትምህርታዊን ባህላዊን ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ትምህርትን ካልእን ክንድህስስ ዕድል ረኺብና። ብፍላይ ኣብ ዞባታት ከሰላን ቀይሕ ባሕሪን ኣብ’ዚ ዝኽሪ በዓል ናጽነትና ሒደት መዓልታት ጥራይ ተሪፉሉ ዘሎ እዋን ሓያሎ ንጥፈታት ክ… PDF
ትንታነ ንኣጀንዳ ወጻኢ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ብዶ/ር...
ትንታነ ንኣጀንዳ ወጻኢ ፖሊሲ ኢትዮጵያ
ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ካብ’ቲ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ኣብ መጨረስታ 19 ክፍለ-ዘመንን መጀመርታ 20 ክፍለ-ዘመንን ብምንሊክ ካልኣይ ዝተመስተትሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ’ዚ ሕጂ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ስልጣን ዝተወራረሱ ስርዓታት ኢትዮጵያ እንኮላይ ሃጸይ ሃይለ ስላሰ፡ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያምን መለስ ዜናውን ታሪኻዊ ኣተኩሮ ብምግባር ጥራይ እዚ ዝስዕብ ናይ ሓባር ረቛሒ ከምዘለዎም ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን።