ዳይረክተር ማእከል ስትራተጂያዊ መጽናዕትታት...
ዳይረክተር ማእከል ስትራተጂያዊ መጽናዕትታት ኤርትራ፡ ንግብጻውያን ዲፕሎማሰኛታትን
ምሁራትን ንፖሊሲ ኤርትራ ዘብርህ ኣስተምህሮ ሂቡ
ዳይረክተር ማእከል ስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ኤርትራ ዶክተር ኣሕመድ ዳሕሊ፡ ንግብጻውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ ምሁራትን ተመራመርትን ንፖሊሲ ኤርትራ
ኣብ ውሽጣውን ግዳማውን ጉዳያት ዝምልከት ኣስተምህሮ ሂቡ። Read more
March 28, 2015
`ካብ ሃገር ዝወጽእ ዘሎ መንእሰይ፡ ነቲ ኣብ...
`ካብ ሃገር ዝወጽእ ዘሎ መንእሰይ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሃገሩ ዝሃንጽ ዘሎ መንእሰይ ብቑጽሪ ኾነ ብኻልእ ዝውክል ኣይኮነን` ኣምባሳደር ገራህቱ
ኩነታት ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ክምርምር ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ኣካል ኣብ`ታ ሃገር ብንጹር ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ኣብ ዘካይዶ ዘለኹ መርመራይ ርእየ ምባሉ ይፍለጥ። ብዛዕባ`ዚ ዝተሓተቱ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ እቲ ጸብጻብ ርትዓውነት ዝጎደሎን ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዘየንጸባርቕን ከምዘኾነ ሞጊቶም። Read more
March 22, 2015
መበል 14 ምርኢት መጻሕፍቲ ኤርትራ ይካየድ ኣሎ
መበል 14 ምርኢት መጻሕፍቲ ኤርትራ ይካየድ ኣሎ
መበል 14 ምርኢት መጻሕፍቲ ኤርትራ፡ “ክለባት መጽሓፍቲ፡ ኣፍደገ ብሩህ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ20 መጋቢት ብሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ከምእተኸፍተን ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎን ተገሊጹ።ኣብቲ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣምባሳደራት፡
ዲፕሎማሰኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽቡሉ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ዝተኻየደ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣወሃሃዲ ኮሚተ ምርኢት መጻሕፍቲ ኤርትራ ኣቶ ይስሓቕ ዮሴፍ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ምርኢት፡ ምስ መጽሓፍቲ ኣብ ዝተኣሳሰር ንጥፈታት ዝዋስኣ
ልዕሊ 140 ትካላት ከምኡ’ውን ውልቀ-ጸሓፍቲ ፍርያቶም ንምርኢት ኣቕሪቦም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። PDF