December 2, 2014

ኤርትራ፡ ንገበን ፍልሰት ደቂ-ሰብ ኣትሪራ...

ኤርትራ፡ ንገበን ፍልሰት ደቂ-ሰብ ኣትሪራ ከምእትዂንኖን ኣንጻሩ
እተካይዶ ቃልሲ ከምእተሐዪሎን ደጊማ ኣረጋጊጻ

 ኤርትራ፡ ንገበን ፍልሰት ደቂ-ሰብ ኣትሪራ ከምእትዂንኖን ኣንጻሩ እተካይዶ ቃልሲ ከምእተሐዪሎን ደጊማ ኣረጋጊጻኤርትራ፡ ንገበን ፍልሰት ደቂ- ስብን ብሰባት ምንጋድን ኣትሪራ ከምእትዂንኖን ኣንጻሩ ተካይዶ ዝጸንሐት ቃልሲ ከምእተሐይሎን፡ ኣብ ከተማ ሮማ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ብዛዕባ ፍልሰት ደቂ-ሰብ ዝዘተየ ዋዕላ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ቀርኒ ኣፍሪቃን ደጊማ ኣረጋጊጻ። Read more

December 1, 2014

ቃለ መጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ቃለ መጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ሳልሳይ ክፋል

ቃለ መጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሳልሳይ ክፋልመርበብ ሓበሬታ ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕታት ኤርትራ፡ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘካየዶ ቓለ መጠይቕ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሳልሳይ ክፋል’ቲ ቓለ መጠይቕ፡ ብዛዕባ ኣብ ገማግም ሶማል ዝተኸስተ ቐርስና፡ ውሽጣውን ግዳማውን ሳዕቤናቱን መፍትሒኡን ኣብሪሁ።  ሓደሓደ ወገናት ንዅነታት ሶማል ብምምዝማዝ፡ ንማያዊ ገማግማ ኢንዳስትርያዊ ሓተላ ይጕሕፍሉ ምህላዎም’ውን ገሊጹ።  ትካላት መድሕን ንተርእዮ ቐርሰና ምኽኒት ብምግባር ንመኻዕበቲ ኣታዊታተን ከም ዝጥቀማሉ፡ ዓበይቲ ሃገራት ቀርሰና ንምግታእ ብዝብል ጕልባብ ኣብ ገማግም ሶማል፡ ወሽመጥ ዓደንን ደቡባዊ ቐይሕ ባሕርን መራኽብ ኵናት ኣዋፊረን ምህላወን ሓቢሩ።  ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መንጎ ሃገራት ምንጭን ማዕልቦን ፈለግ ኒል ዝተቐልቀለ ምስሕሓባት ብምትዃር፡ ንሃገራት ኒል ኮነ ንኻልኦት ሃገራት ዝኸውን እኹል ሃብቲ ማይ ምህላዉ፡ እንተኾነ እቲ ጕዳይ ምስ ፓለቲካዊ ጕዳያት ተኣሳሲሩ ኣብ ዘየድሊ ምፍሕፋሕ ከም ዘምረሐ ጠቒሱ።  ኤርትራ ምስ ሃገራት ኣዕራብን እስራኤልን ዘሎዋ ርክብ ኣመልኪቱ፡ ኤርትራ ምስ ዝኾነ ይኹን ወገን ኣብ ኪዳን ከም ዘይትኣቱ ኣገንዚቡ።  ንጕዳይ ዘተ ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ኣመልኪቱ’ውን ኤርትራ ስምምዕ ኦስሎ ካብ ዝተኸተመሉ እዋን ኣትሒዛ ኣብቲ ስምምዕ ዕቃበታት ከም ዝነበራ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት በብእዋኑ ዝፍተን ዘተ ሰላም ኣዎንታዊ ውጽኢት ንኽርከቦ ትጽቢት ከም ዘይግበረሉ ሓቢሩ። Read more

China: Contributing to World Peace and Development

Pre-recorded Message delivered by Foreign Minister...

Meskel Holiday celebrated nationwide

The “Interventionist” and “Destabilizer”...

Reflections on the International Day of Peace

The “Needy and Less Capable” African