December 30, 2014

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ብቐንዱ
ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ቃለ-መሕትት ኣካዪዱ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ብቐንዱ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ቃለ-መሕትት ኣካዪዱፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት እንኣትዎ ዘሎና ሓድሽ ዓመት 2015፡ ብ30 ታሕሳስ ካብ ሰዓት 8፡00 ምሸት ብቐንዱ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ቃለ-መሕትት ምስ መራኸቢ ብዙሓን ሃገርና ኣካዪዱ። ኣብ’ቲ ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብቐጥታ ዝተፈነወ፡ ንኹሉንትናዊ ምዕባለታት ሃገርናን ከባቢናን መጻኢ ኣመታቱን ዘብርህ ቃለ-መሕትት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንትግባረ ልምዓታዊ መደባትን ገስጋሶምን፡ ኣብ 2015 ክትግበሩ ዝተወጠኑ መደባት ልምዓት፡ ኣገዳስነት ምንዳፍ ሓድሽ ቅዋም፡ ንፖለቲካዊ ህንጸትን ምሕያል ህዝባዊ ግንባርን ዝተታሕዘ መደባት፡ ኣብ ህንጸትን ምኽባር ልኡላውነትን ሃገር ብተወፋይነት ንዝሰርሑ ዘለዉ መንእሰያት ዝሕሰብ ጻማን መጻኢ ዕድላትን፡ ዓቕሚ ምክልኻል ንምሕያል PDF

December 17, 2014

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወረቐት ስራሕ ሓደስቲ...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወረቐት ስራሕ ሓደስቲ ኣምባሳደራት ሃገረ
ቐጠርን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ተረኪቡ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወረቐት ስራሕ ሓደስቲ ኣምባሳደራት ሃገረ ቐጠርን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ተረኪቡ

Full PDF here

December 8, 2014

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሃገረ ቐጠር...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሃገረ ቐጠር
ዝገበሮ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ ተመሊሱ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሃገረ ቐጠር ዝገበሮ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ ተመሊሱ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሃገረ ቐጠር ዝገበሮ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ ትማሊ 8 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቀትሪ ተመሊሱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣሚር ሃገረ ቐጠር ሼኽ ተሚም ቢን ሓመድ ኣልሳኒን ብ7 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ከተማ ኣደውሓ ኣብ
ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ከምኡ’ውን ንክልተአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ዘትዮም። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ6 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ንግሆ’ዩ ናብ ሃገረ ቐጠር ገይሹ።

December 5, 2014

ስትራተጂ ልምዓት ኤርትራ፡ ኣብ ምርግጋጽ ምዕሩይ...

ስትራተጂ ልምዓት ኤርትራ፡ ኣብ ምርግጋጽ ምዕሩይ ተጠቃምነትን ዕድላትን ጸጋታት
ሃገር ዝተሰረተ ምዃኑ፡ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ገሊጹ

ስትራተጂ ልምዓት ኤርትራ፡ ኣብ ምርግጋጽ ምዕሩይ ተጠቃምነትን ዕድላትን ጸጋታት  ሃገር ዝተሰረተ ምዃኑ፡ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ገሊጹስትራተጂ ልምዓት ኤርትራ፡ ኣብ መትከል ምርግጋጽ ምዕሩይ ተጠቃምነትን ዕድላትን ጸጋታት ሃገር ንነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ዝተሰረተ ምዃኑ፡ ሓላፍነት መንግስቲ ድማ ነዚ ሃብቲ ሃገርን ህዝብን ዘላቒ ምዕባለ ብዘውሕስ ኣገባብ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ከምዝኾነ፡ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ገሊጹ።

PDF

December 3, 2014

ቃለ መጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ...

ቃለ መጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ቃለ መጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋልፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ መርበብ ሓበሬታ ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕታት ኤርትራ፡ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ ራብዓይን ናይ መወዳእታን  ክፋል’ቲ ቓለ-መጠይቕ፡ ኣፍሪቃ ኣብ  ፓለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ወዘተ … መዳያት ንኸይትምዕብል ዝዓንቀፍዋ ረቛሒታት ኣብሪሁ።  ብመርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡ እቲ ሰነዳት ሓድሽ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ንብስም ዲፕሎማሲ ዝካየድ ጥበብ ሓሶትን ምድንጋርን ኣብ ምቅላዕ ግደ ከም ዘሎዎ ኣገንዚቡ።  ከምኡ’ውን ዓለምና ምውዳቕ ሕብረት ሶቭየትን ምድያብ ኣመሪካ ከም እንኮ ልዕለ-ሓያላንን ምንቍልቋልን ከም እተዓዘበት ገሊጹ።  ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መድረኽ ኵናትን ዕብለላ ሓደ ልዕለ-ሓያላን ዘብቅዓሉ ግዜ ይኽሰት ምህላዉን፡ ዓለምና ብፍሉይ ዳይናሚካዊ ረቛሒታት ዝመሓደር ኣብ ሓድሽ መድረኽ ንምእታው ትቀራረብ ከም ዘላን ኣብሪሁ።
ፕረዚንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ግጭት ስነ-ሓሳብ ከም ዘብቀዐ፡ ታሪኽ ኣብ መወዳእታ መድረኽ ከም ዝኣተወ ከምኡ’ውን ግጭት ናይ ስልጣነታትን ሃይማኖታትን ከም ዝተጀመረ ዝገልጽ ስነ ሓሳባት ርእይቶኡ ተሓቲቱ ብዛዕባኡ ትንታነኡ ኣቕሪቡ። ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕታት ኤርትራ፡ ርእይቶታት ንምልውዋጥን ሓሳባት ንምዝርጋሕን ብቑዕ መድረኽ ንክኸውን ከኣ ምንየቱ ገሊጹ። Read more

International Youth Day observed

President Isaias met and held talks with Crown...

Agreement on Peace, Friendship and Comprehensive...

Meeting of Presidents Isaias Afwerki and Ismail...

President Isaias met and held talks with Crown...

Eritrean Delegation led by Mr. Abdelkadir Hamdan...