April 21, 2014

ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ገምጋም ንጥፈታት ስፖርት...

ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ገምጋም ንጥፈታት
ስፖርት ዓመተ 2013 ኣካይዱ

ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ገምጋም ንጥፈታት ስፖርት ዓመተ 2013 ኣካይዱኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ኣብ ዓመተ ስፖርት 2013 ብዞባታትን ሃገራውያን ፈደረሽናት ስፖርትን ኮሚቴ ኦሎምፒክን ዝተኻየዱ ንጥፈታት ዝገምገመ ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ ሃገራውያን ፈደረሽናት ስፖርት፣ ኮሚሽነራት ስፖርት ዞባታትን ዝተረኽብሉ ገምጋም ኮሚሽነር ስፖርት ኤርትራ ሜ/ጀ ሮመዳን ዑስማን ኣወልያይ ኣብ ዘስምዖ ቃል እቲ ኣጋጣሚ ክካየዱ ንዝጸንሑ ንጥፈታትን ውጽኢቶም ብደቂቕ ገምጊሙ ንዝሓሸ መደባት ስራሕ ንምሕንጻጽ ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ። ስዒቡ ብጨናፍር ኮሚሽን ስፖርት ዞባታት ዝተኻየደ ንጥፈታት ንተጋባእቲ ቀሪቡ ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ለበዋን ቀሪቡሉ፣ ገለ ካብቶም ዝቐረቡ ርእይቶታት፣- Read more

April 9, 2014

እኛና አብዮቱ፤ በፍቅረሥላሴ ወግደረስ፣ ፀሐይ...

እኛና አብዮቱ፤
በፍቅረሥላሴ ወግደረስ፣ ፀሐይ አሣታሚና አከፋፈይ፣ታህሣሥ 2006 ዓ ም፤
ግምገማ በታደለ መኩሪያ

እኛና አብዮቱ፤ በፍቅረሥላሴ ወግደረስ፣ ፀሐይ አሣታሚና አከፋፈይ፣ታህሣሥ 2006 ዓ ም፤ ግምገማ በታደለ መኩሪያደራሲው መጽሐፉን ለምን ለመጻፍ እንደተነሳሱ በመግቢያው ላይ ገልጸዋል፤ በከፍተኛ የሥልጣን እርከን ላይ ተካፋይ የሆኑበት የደርግ መንግሥት የሚገባውን የታሪክ ሥፍራ አልተሰጠውም፤ ስለደርግም የጻፉ ቢኖሩም ፣ ለመጪው ትውልድ ትክክለኛውን የታሪክ ሐቅ አላስጨበጡትም ባይ ናቸው።

መጽሐፉን አንብቤዋለሁ፤ 440 ገጾች አሉት፤ኩነቶች ባይደጋግሙ በ200 ገጽ ሊያጥር ይችላል፤ ደራሴው በተለያዩ የሥልጣን እረከኖች ሠርተዋል፤ ጠቅላይ ሚኒስትር ለመሆን በቅተዋል፤ ከግል ማኅደራቸው ተነስተው ይህቺን ጥንታዊ ሀገርና ሕዝቧን ለአሥራ አምስት ዓመት ‘እኛ’ ከሚሏቸው ጓዶቻቸው ጋራ እንዴት እንደመሯት ከዚያም ያገኙትን ተመክሮ ለትውልድ የሚያስተላልፉበት አጋጣሚ አግኝተዋል፤ የኔ ጥያቄ አጋጣሚውን ‘እኛና አብዮቱ’ በሚለው መጽሐፋቸው ተጠቅመውበታል ወይ ነው? ይህን በጋራ የምናየው ይሆናል። ለአንድ ወታደር ስለጦር ሜዳ ውሎ ቢጽፍ ይብልጥ ውጤታዊ ይሆናል፤ በተግባር ተካፍሏልና። ደራሴው በነፃ አስተሳሰብ ተኮትኩተው ባላደጉበት፣ ሕብረተሰቡም በነፃነት ሐሣቡን በማይገልጽበት፤ በሕዝብ ስም ሀገር የሚመሩትም ለዜጎች ግልጽ ባልሆኑበት፣ትክክለኛ ታሪክ ጽፎ ለትውልድ ማስተላለፍ ይቻላል ወይ? የሚለውን ጥያቄ እንደተጠበቀ ሆኖ፣ ግን ትክክለኛ ነው ያሉትን ታሪክ በተረጋገጠ እውነት ላይ መሥርተው ካለቀረቡት የታሪክነት ደረጃውን አጥቶ ተረት ተረት ይሆናል። ከሁሉ በላይ ደግሞ የጸሐፊው እውነትን በተረጋገጠ እውነት ለማቅረብ ያለው የስዕብና ጥንካሬ ወሳኝ ነው። Read more

April 7, 2014

ዕውታት ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ ናብ...

ዕውታት ሃገራውያን ጋንታታት
ኤርትራ ናብ ሃገረን ተመሊሰን

ዕውታት ሃገራውያን ጋንታታት  ኤርትራ ናብ ሃገረን ተመሊሰን

ብድራር ፍሰሃየ- ኣብ ኣልጄርያ ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታን ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ፍርቂ ማራቶን ተሳቲፈን ዘኹርዕ ዓወታት ዘመዝገባ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ ብ 1 ን 2 ን ሚያዝያ 2014 ናብ ሃገረን ተመሊሰን። Read more

ኣምበሳደር በየነ ርእሶም፡ ምስ ምኽትል ...

ኣምበሳደር በየነ ርእሶም፡ ምስ ምኽትል
ፕረዚደንት ኬንያ ተራኺቡ ኣብ ምሕያል
ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።

ኣምበሳደር በየነ ርእሶም፡ ምስ ምኽትል   ፕረዚደንት ኬንያ ተራኺቡ ኣብ ምሕያል  ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም፡ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት’ታ ሃገር ሚስተር ዊልያም ሩቶ ተራኺቡ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ንኽልቲአን ሃገራት ዘገድሱ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ብሰፊሕ ተመያዪጡ።

ኣብቲ ኣብ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ንምዕባለታት ዞባና ኣመልኪቶም ኣብ ዝተዘራረቡሉ፡ ኣምባሳደር በየነ፣ ኣብ ከባቢና ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ኤርትራ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ከምዝጸንሐትን ክትቅጽሎ ምዃናን ኣነጺሩ። Read more

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ መልእኽቲ...

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ መልእኽቲ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ኣልበሺር ኣብጺሑ።

 ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ኣልበሺር ኣብጺሑ።ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ ብ6 ሚያዝያ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሱዳን ፊልድ ማርሻል ዑመር ሓሰን ኣሕመድ ኣልበሺር ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ንኽልተአን ሃገራት ኣብ ዘገድስ ጉዳያት ዘተኰረ’ዩ።

****** ኣ.ዜ.ኤ *****

President Isaias met and held talks with Saudi...

President Isaias held talks with Japanese...

Ethiopian Government and OLF sign Reconciliation...

President Isaias held talks with senior Ethiopian...

رتريا أرض البحر الغضب العارم الفصل الثاني...

Statement By Mr. Nebil Said, Counsellor, Permanent...