መንደፈራ፡ ማእከል ስልጠና ደቀንስትዮ ተመሪቑ
መንደፈራ፡ ማእከል ስልጠና ደቀንስትዮ ተመሪቑ
ብምትሕብባር ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራን ኣባላት
ሃማደኤ ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝን ብልዕሊ 28 ሚልዮን ናቕፋ ኣብ
ከተማ መንደፈራ ዝተሃንጸ በዓል ሓደ ደርቢ ማእከል ስልጠና
ደቀንስትዮ፡ ብ24 ነሓሰ ተመሪቑ። PDF
ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ...
ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡
ኣብ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም
2013 ንምስታፍ ልምምድ ተካይድ ኣላ።
ኣብ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2013 እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ልምምዳ ተካይድ ከምዘላ፡ ህዝባዊ ርክባት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ሓቢሩ፣
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብዚ ካብ 22 ክሳብ 29 መስከረም ኣብ ከተማ ፍሎረንስ – ኢጣልያ ዝካየድ ውድድር፡ ብናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ልዕሊ ዕድመን ክትሳተፍ ምዃና ተፈሊጡ’ሎ። Read more
ዓውደ- መጽናዕቲ ጸረ-ወሃብቲ ሓይሊ መድሃኒታት...
ዓውደ- መጽናዕቲ ጸረ-ወሃብቲ ሓይሊ መድሃኒታት
ስፖርት ( Anti-Doping) ተኻይዱ
ብድራር ፍሰሃየ
ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ-ወሃብቲ ሓይሊ መድሃኒታት ( Eritrean National Anti-Doping Organization- ENADO ) ኣብ ማሕበረሰብ ስፖርት ኤርትራ ዘሎ ኣፍልጦ ጎዳእነት ሓይሊ ዝህቡ መድሃኒታት ስፖርት ንሞባይ ዝሕግዝ ዓውደ-መጽናዕቲ ካብ 20-23 ነሓሰ 2-13 ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ ኮሚቴ ኣኦሊምፒክ ኣኤርትራ ኣካይዱ።
ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ሓለፍቲ ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኤርትራ፣ ካብ መላእ ሃገር ዝተዋጽኡ ካኢላታት መራኸቢ ብዙሓንን መማህራንን ኣለይቲን ስፖርት ዝተሳተፉሉ ዓውደመጽናዕቲ ኮሚስነር ስፖርት ሜ/ጀ. ሮመዳን ዑስማን ኣወልያይ ኣብ ዘስምዖ ቃል ኮሚሽን ስፖርት ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ተጠቃምነት ሓይሊ ዝህቡ መድሃኒታት ኣብ ስፖርት ዘለዎ ሃሳይ ጽልዋ ብምግንዛብ ሃገራዊ ኮሚቴ ኣቚሙ ዝተፈላለየ ጎስጓሳዊ ንጥፈታት ከካይድ ምጽንሑ ብምጥቃስ ተሳተፍትት’ቲ ዘተ ነቲ ዝወሃብ ብግቡእ ብምክትታል ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ንክዓዝዝ ብዝለዓለ ክዋስኡ ተላብዩ። Read more
ምልክታ
ምልክታ
መርበብ ሓበሬታ ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕታት ኤርትራ፣
www.ecss-online.com ካብ ባሕቲ መስከረም 2013 ጀሚራ፣ ብሓድሽ ኣገባብ ንዂነታት ኤርትራ፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣
ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣፍሪቃን ዓለምን ዝምልከት ኣርእስታት ብምኽፋት፣ ዕማማታ ክትቅጽል ምዃና ንሕብር፣፣
ኲሎም ኣንበብቲ ነታ መርበብ ሓበሬታ ንኽከታተሉ ድማ ንዕድም፣፣
ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕታት ኤርትራ፣
ትሕዝቶ ቍሸት ህጻናት፡ ንደቆም ዘዕግብ ኮይኑ...
ትሕዝቶ ቍሸት ህጻናት፡ ንደቆም ዘዕግብ ኮይኑ
ከምዝረኸብዎ ወለዲ ገሊጾም፣
ኣብ ቀጽሪ ሃገራዊ ፈስቲቫል ደቀምሓረ ተዳልዩ ዘሎ ቍሸት ህጻናት፡ ዝተፈላለየ ንህጻናት ዘዘናግዕን ዘምህርን ትሕዝቶ ስለዘለዎ፡ ንደቆም ዘዕግብ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ወለዲ ገሊጾም፣
ኣብ’ቲ ቍሸት ዝነጥፉ ኣቶ ተኽለ ገብረመስቀልን መምህር ኣዜብ ኣማኒኤልን፡ ብዛዕባ’ቲ ተዳልዩ ዘሎ ትሕዝቶ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንቘልዑ ዝለዓለ ኣቓልቦ ክወሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግንዛብ። ኣብ ርእሲ’ቲ በብደረጃ ዕድመኦም ዝጥቀሙሉ መሃሪን ኣነቓቓሕን ትሕዝቶ፡ ዝተፈላለየ ዓይነት መጻወቲ ተቐሪቡ ከምዘሎ ኣፍሊጦም፣ Read more