ኤርትራ ብእትኽተሎ ሓራ መስመርን ንጹር ራእይን...
ኤርትራ ብእትኽተሎ ሓራ መስመርን ንጹር ራእይን መመሊሳ
ክትደምቕ’ያ” ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ
Read Haddas Ertra from 29th of July
ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሆላንድ ብልዑል...
ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሆላንድ
ብልዑል ማዕርግ ተቓኒዑ።
መበል 12 ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሆላንድ፡ “መኸተ ድርዕና – ስራሕ ክብርና” ብዝብ
ቴማ፡ ላዕለዎት ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታትን ዕድመ ዝተገብረሎምን ኣብ ዝተረኽቡሉ ካብ 19 ክሳብ 21 ሓምለ ተቓኒዑ። Read more
ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን፡ ካብ 12...
ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን፡
ካብ 12 ክሳብ 14 ሓምለ ብድምቀት ተኻዪዱ።
“መኸተ ድርዕና። ስራሕ ክብርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብዝተፈላለየ መደባትን ዕዙዝ ሱታፈ ዜጋታትን ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ መበል 17 ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን፡ ብ14 ሓምለ ብድምቀት ተዛዚሙ።
እቲ ብሓላፊ ፖለትካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ዝተኸፍተ ኣብ ከተማ ጊሰን ዝተኻየደ ፈስቲቫል። ሰሚናራት። ቍሸት ህጻናት። መደብ ስነ-ጽሑፍ። ስእላዊ ምርኢት። ዘተ መንእሰያት። ንመኸተን ህዝቢ ኤርትራ ዘጕልሕ ድራማን ባህላዊ መደብን ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ። Read more
መበል 26 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን መበል 6ይ...
መበል 26 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን መበል 6ይ ዙርያ ማሞስን ተመሪቖም
Read the full PDF here
ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኣስመራ። ኮለጅ ሕርሻ...
ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኣስመራ። ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎን ኮለጅ ጥበባትን
ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን 811 ተመሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቐን፣
ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኣስመራ። ብዓውድታት ሕክምና ስኒ። ሕክምና ዓይኒ። ቴክኖሎጂ ላባራቶሪ። ኤክስረይ። ህዝባዊ ኣገልግሎት ሕክምና። ፊዝዮተራፒ። ፋርማሲ። ቴክኒሻን ፋርማሲ። ነርስን ህዝባዊ ሕክምናን ዘምሃሮም 347 ተመሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ፣
ብ30 ሰነ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኮለጅ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምምራቕ። ሚኒስተር ጥዕና ኣምና ኑርሕሴን ኣብ ዘስመዓቶ ቃል። ንጠለብ ናይቲ እናሰፍሐን እናማዕበለን ዝኸይድ ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ግምት ንዘእተወ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ብዝተዋህበ ጠመተ መሰረት። ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ። ኮለጅ ድሕረ-ምረቓ ኦሮታ። ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ካልኦትን ተኸፊቶም ኣገልግሎት ይህቡ ከምዘለዉ ጠቒሳ። ኣብኦም ዝፈረዩ ክኢላታት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ተዋፊሮም ንህዝቦም የገልግሉ ከምዘለው ኣብሪሃ፣ Read more