May 21, 2013

ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ዓመታዊ...

ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ዓመታዊ ዘካይዶ
ውድድር ማራቶን ናጽነት 2013 ብቐዳም 19 ግንቦት
2013 ኣብ ኣስመራ ኣካይዱ።

ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ዓመታዊ ዘካይዶ  ውድድር ማራቶን ናጽነት 2013 ብቐዳም 19 ግንቦት  2013 ኣብ ኣስመራ ኣካይዱ።ኣብቲ ካብ ዞባታትን ክለባትን ዝተዋጽኡ 42 ኦሊምፒካውያን ኣትሌታት ዝርከብዎም ተወዳደርቲ ዝተሳተፍዎ ዓመታዊ ውድድር ተወዳደርቲ ኣትሌታት በቲ ፈደረሽን ዝተዳለወ ኣተባባዒ ሽልማትን ንዝጸንሐ ሰዓት ንዘመሓየሸ ዝወሃብ ተወሳኺ ጉንዖን ንምዕታር ሓያል ውድድር’ኳ እንተካየዱ ነቲ ዓሚ ዝተመዝገበ ሪከርድ ከመሓይሹ ኣይከኣሉን፣ ኣብ መዛዘሚ ብዝተረኽበ ውጽኢት ድማ፣- Read more

ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማታት ኣውስትራልያን...

ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማታት ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን
መበል 22 ዓመት በዓል ናጽነት ብድምቀት ኣብዒሎሞ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማታት ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን መበል 22 ዓመት በዓል ናጽነት ብድምቀት ኣብዒሎሞ።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝርከቡ ኤርትራውያን ንመበል 22 ዓመት በዓል ናጽነት ብውዕዉዕ መንፈስ የብዕልዎ ከምዘለዉ ህዝባዊ ርክባት ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ካብ ከተማ መልበርን ሓቢሩ።

እዚ ኣብ መውዳእታ ናይ’ዚ “መኸተ ድርዕና – ስራሕ ክብርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ሰሙን ኣብ መብዛሕትአን ከተማታት ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ብድምቀት ዝጀመረ ኣበዓዕላ ታሪኻዊ ዕለት በዓል ናጽነት ኤርትራ ክሳብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክቕጽል ከምዝኾነ፡ ካብ ኣቦ መንበር ናይ’ታ ኣውሃሃዲት ሽማግለ በዓላት፡ ኣቶ ያሲን ዑመር ከምዝገለጸ ህዝባዊ ርክባት ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ካብ ከተማ መልበርን ሓቢሩ። Read more

May 20, 2013

ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ኣብ ፍርቂ ማራቶን...

ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ጃፓን፣
ሓድሽ ናይ’ቲ ውድድር ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ።

ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ጃፓን፣ ሓድሽ ናይ’ቲ ውድድር ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ።ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ብሰንበት 19 ግንቦት ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ጊፉ ስየርዩ – ጃፓን፣ ሓድሽ ናይ’ቲ ውድድር ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ።

ኣብዚ ሓያላት ኣትለታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎ ሓያል ውድድር፣ ኣትለት ዘርእሰናይ ብ1 ሰዓትን 31 ካልኢትን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲ ናይቲ ውድድር ዝነበረ ኬንያዊ ማርቲን ማታቲ ካልኣይ፣ ካልእ ኬንያዊ ጃኮብ ዋንጁኪ ድማ ሳልሳይ ብምውጻእ ውድድሮም ዛዚሞም። Read more

መራሕቲ ሃገራት ቻይና፣ ቶጎን...

መራሕቲ ሃገራት ቻይና፣ ቶጎን ቦዝንያ-ሄርዞጎቪናን
ብምኽንያት ጽንብል ናጽነት ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

መራሕቲ ሃገራት ቻይና፣ ቶጎን ቦዝንያ-ሄርዞጎቪናን  ብምኽንያት ጽንብል ናጽነት ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂን ፒንግ፣ ፕረዚደንት ቶጎ ፋውረ ኢሶዚምና ግናሲንበ፣ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ቦዝንያን-ሄርዞጎቪናን ነቦጅሳ ራዳማኖቪች፣ ብምኽንያት መበል 22 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መልእኽቶም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ብልጽግናን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ምሉእ ጥዕና ተመንዮም።

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

May 16, 2013

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ንክራማት 2013 ብዛዕባ...

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ንክራማት
2013 ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት ዘትዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ንክራማት 2013 ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት ዘትዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ንክራማት 2013 ብደረጃ ሃገር ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት ንምዝታይ ብ16 ግንቦት ኣብ ዘቃነዖ ኣኼባ፣ በብዞባኡ ተታሒዙን ዝትግበርን ዘሎ መደባት ብመንጽር ትንቢት ዝናብን ዝሓቶ ጸጋታትን ብዝርዝር ተመልኪቱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘቕረቦ ሓፈሻዊ መእተውን መማእዘኒ ነጥብታትን፣ ቆፎኻ ከይመላእካ ብዛዕባ ካልእ ጽላታትን መደባትን ምዝራብ ከምዘይከኣል፣ እዚ ድማ ካብ ዝናብ ክራማት ጥራይ እናተጸበኻ ክሰምር ዝኽእል ስለዘይኮነ፣ ዘላቒ ፍታሕ ንምርግጋጽ ኣብ ምስፍሕፋሕ መስኖኣዊ ልምዓት፣ ምግባር ደገፍ ንእዋናዊ ሽግራት፣ ወለንታዊ ምግዓዝ ናብቲ ዝለምዕ ከባቢታት፣ ከምኡ’ውን ምድንፋዕ ኣፍራይነት ካልኦት ጽላታት ብዕቱብ ክስራሓሉ ከምዝግባእ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ መዳይ’ዚ ምውህሃድ ምምሕዳራትን ዝምልከተን ኣካላትን ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ። Read more

Festival of Nationals in Germany commences

Eritrea participates at Conference on Counter...

Eritrea participates at AU extraordinary summit

Embassy of PRC organizes symposium

President Isaias meets Deputy Chairman of Sudanese...

Eritrean delegation met and held talks with...