ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ጉባኤን ምርጫን...
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ጉባኤን ምርጫን ሃገራውያን
ፈደረሽናትን ኦሊምፒክ ኮሚቴን ኣቃኒዑ
ብድራር ፍሰሃየ
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ካብ 2009 ክሳብ 2012 ኣብ ስራሕ ንዝጸንሓ ሃገራውያን ፈደረሽናት ስፖርትን ኮሚቴ ኦሊምፒክን ብሓደስቲ ኣካየድቲ ኣካላት ንምትካእ ካብ 1ሚያዝያ ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤን ምርጫን 22 ሚያዝያ 2013 ዛዚሙ። Read more
ላዕለዋይ ባይቶ ስፖርት ኣፍሪቃ፣ ንላዕለዎት...
ላዕለዋይ ባይቶ ስፖርት ኣፍሪቃ፣
ንላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ሸሊሙ።
ኮሚሽነር ስፖርት ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ተስፋይ ገብረየሱስን፣ ካብ ላዕለዋይ ባይቶ ስፖርት ኣፍሪቃ ዝተላእከሎም ናይ ክብሪ መዳልያ፣ ብ23 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ኮሚሽን ስፖርት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ተቐቢሎም።
ክልቲኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስፖርት ኤርትራ ነዚ ሽልማት’ዚ ዝበቕዑ፣ ላዕለዋይ ባይቶ ስፖርት ኣፍሪቃ ብ9 ሕዳር 2012 ኣብ ከተማ ብራዛቪል – ኮንጎ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳኔታትን ለበዋታትን’ዩ። Read more
ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመናዊት ከተማ ካስልን...
ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመናዊት ከተማ ካስልን ከባቢኣን፣
ተሳትፎኦም ኣብ ወፍሪ ልምዓት ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።
ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ካስልን ከባቢኣን – ጀርመን፣ ተሳትፎኦም ኣብ ወፍሪ ልምዓት ከዕዝዙን ንተጻብኦታት ብልዑል ንቕሓት ገጢሞም ከፍሽሉን ከም ወትሩ ድልዋት ምህላዎም፣ ብ21 ሚያዝያ ኣብ ዘቃንዕዎ ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
ኣብቲ “ወትሩ ድልዋት ንወፍሪ ንልምዓት” ብዝብል ቴማ ዝተቓንዐ ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ፣ ኣምባሳደር ሃገር ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ፣ ነቲ ተራሕዩ ዘሎ ናይ ወፍሪ ዕድላት ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ክረብሑሉን ንሃገሮም ከርብሑን ብምዝኽኻር፣ ንዝበረኸ ኣበርክቶ ኣብ ሃገራዊ መደባትን ምውራስ ሃገራዊ ክብርታት ንመንእሰይ ወለዶን፣ ኣብ ምህናጽ ድልዱል ማሕበረኮምን ሽማግለ መኸተን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላብዩ። Read more
ማእከላይ ባይቶ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ...
ማእከላይ ባይቶ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት
ተማሃሮን ኤርትራ፣ መበል 14 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣቃኒዑ።
ማእከላይ ባይቶ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፣ “ውሁድ ስራሕ ኣብ መንእሰያት፣ ንህንጸት ኩለንትናዊ ብቕዓት” ብዝብል ቴማ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባኡ ብምቅናዕ፣ ንጥፈታቱ ገምጊሙ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ ቃል፣ መንእሰይ ተሰካሚ ሕድሪ ስለዝኾነ፣ ነቲ ዝሓየለ ዝበሃል ብብልሓትን ንቕሓትን ክገጥሞ ከምዝግባእ ብምዝኽኻር፣ “ልምዓት ንኹሉ ሕቶታት ስለዝምልስ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ድማ ብመገዲ ልምዓት ስለዘጋገጽ፣ መንእሰይ ኣብ ልምዓት ኣበርቲዑ ክዓዪ መድረኽ ዝጠልቦ’ዩ” ክብል ኣገንዚቡ። Read more