February 28, 2013

ሱዳን፡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ዞባ...

ሱዳን፡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ዞባ
ቀይሕ-ባሕሪ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ

ሱዳን፡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ – ሱዳን፡
ቀዳማይ ጉባኤኡ ብ22 ለካቲት ኣብ ከተማ ፖርት-ሱዳን ኣቃኒዑ።
PDF here

February 27, 2013

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ፣...

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ንተጻብኦታት ብንቕሓት
መኪቶም ንዓወት መደባት ልምዓት ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ንተጻብኦታት ብንቕሓት  መኪቶም ንዓወት መደባት ልምዓት ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ጥሙር መደባት ልምዓትን መኸተን ንምዕንቃጽ ንዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ብምዅናን፣ ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋጽ ብህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ንምዕዋት ካብኣቶም ዝሕተት ኩሉ ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

እቶም ዜጋታት ብ24 ለካቲት ኣብ ዘቃንዕዎ ህዝባዊ ሰሚናር፣ ምስሊ ኤርትራ ንምድዋንን ሕንፍሽፍሽ ንምፍጣርን ብጸላእትን ተጻባእትን ዝካየድ ሕሱር ዘመተታትን ናይ ህዝባዊ ርክባት ሃልኪን ዕምሩ ሓጺር ምዃኑ ብምጥቃስ፣ “ሎሚ’ውን ከም ወትሩ፣ ኣብ ጎኒ’ቲ ጸኒዑ ዘጽንዐ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብምዃኑ፣ ንኹሉ ዝመጽእ ተጻብኦታት ብንቕሓት ክንገጥም ድልዋት ኣለና” ኢሎም። Read more

February 26, 2013

ዙር ኤርትራ 2013 ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ...

ዙር ኤርትራ 2013 ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ

ዙር ኤርትራ 2013 ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ

# ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ ጎብለል ዙር ኤርትራ 2013 ኮይኑ

ካብ 19-22 ለካቲት ንሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፣ ኣልጄርያ፣ ሩዋንዳ፣ ምስሪን ሱዳንን ሓቑፉ ብኮሚሽነር ኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ u.c.i ፖርቱጋላዊት ኢዛቤላ ማርያ ፍራንኮ ፈርናንደዝ እናተመርሐ ኣብ 4 መድረኻት ተኸፋፊሉ ክካየድ ዝቐነየ 5ይ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ኤርትራ 2013 ሎሚ ዓርቢ 22 ለካቲት 2013 ካብ ከረን ናብ ኣስመራ ብዝተኻየደ ቅድድም ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ። Read more

February 25, 2013

ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ስልጠና ዳንነት...

ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ
ስልጠና ዳንነት ሂቡ

ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ስልጠና ዳንነት ሂቡ

ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ሞያዊ ብቕዓት ደያኑ ሃገርና ክብ ንምባል ዘካይዶ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ጻዕሪ ካብ 18-22 ለካቲት 2013 ብሃገራውያን ኢንስትራክተራት ኣብ ኣስመራ ክህቦ ዝቐነየ ስልጠና ዳንነት ዛዚሙ።

ኣብቲ ካብ ኩለን ዞባታት ሃገርና ዝተዋጽኡ 23 ናይ ቀዳማይ ደረጃ ደያኑ ዝተሳተፍዎ መደብ ኣካላዊ ብቕዓት ከምኡ’ውን ክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ዘጠቓለለ እዋናዊ ስልጠና ዳንነት ኩዕሶ እግሪ ብኢንስትራክተራት ደያኑ ግርማይ ዮውሃንስን ኪዳነ ብርሃነን ክወሃብ እንከሎ ዕላማኡ ደረጃ ደያኑ ካብ ቀዳማይ ደረጃ ናብ ደረጃ ፌደራል ክብ ንምባል ምዃኑን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ። Read more

ዝኽሪ ብሩራዊ እዮቤልዩ ምድምሳስ ‘ናደው እዝ’ ...

ዝኽሪ ብሩራዊ እዮቤልዩ ምድምሳስ ‘ናደው እዝ’
ንምጽንባል ሰፊሕምድላዋት ይካየድ ኣሎ

ዝኽሪ ብሩራዊ እዮቤልዩ ምድምሳስ ‘ናደው እዝ’ ንምጽንባል ሰፊሕምድላዋት ይካየድ ኣሎ

ብሩራዊ እዮቤልዩ ናይቲ ኣብ ጕዕዞ ሰውራ ኤርትራ ነጥበ-መቐይሮ ዝኾነ ምድምሳስ ‘ናደው እዝ’ ንምጽንባል፡ህዝብን ምምሕዳርን ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኩልንትናዊ ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለዉ፡ ኣማሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓብዱ መሓመድ ተልከ ገሊጹ።

ነቲ ጽንብል ንምድማቕ፡ ካርኒቫል፡ባህላዊ ምርኢት፡ ኤግዚቢሽንን ካልእ ንጥፈታትን ብምምሕዳራት ከባቢ ካብ ዝተተሓዙ መደባት ምዃኖም ዝጠቐሰ ኣቶ ዓብዱ፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣጋይሸን ንምእንጋድ ይሸባሸባ፤ ጐደናታት ከተማ ይጽገንን ይሽለምን ከምኡ’ውን መስመር ኤለትሪክ ዘይጸንሖ ቦታታት ይዝርጋሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

“ምድምሳስ ‘ናደው እዝ’፡ ባና ናይቲ ዘይተርፍ ናይቲ ዘይተርፍ PDF

الملك سلمان يرعى اتفاقية السلام بين إريتريا...

President Isaias Afwerki and Prime Minister Abiy...

President Isaias Afwerki left for Saudi Arabia

President Isaias met and held talks with Egyptian...

Roads connecting Eritrea and Ethiopia re-opened

President Mohammed Abdullahi concludes official...