ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት...
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት
ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብ28 ጥሪ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሚስተር ሚኻኤል ቦግዳኖቭ ኣብ ህንጻ ሃገር ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ሚኻኤልን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ብሓፈሻ ኣብ ንግድን ወፍርን ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ዘተ ብምክያድ፣ እቲ ዝጸንሐ ዝምድናታት ኣብ ዝምዕብለሉን ቀዳምነታት ክውሃቦ ዝግባእን ጉዳያት ብሰፊሑ ተመያዪጦም። Read more
መግለጺ – ብዛዕባ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ለንደን...
መግለጺ
ብዛዕባ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ለንደን ዝተገብረ ግዕዙይ ተግባር
ንሕና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ሸፊልድ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሳውዝ ዮርክሸየር እንርከብ ኤርትራውያን፡ ካብ ካልኦት ስደተኛታት ዝፈልየና መለለይ እንተሎ ፡ኣኽበርቲ ሕግን ፈተውቲ ስራሕን ልዕሊ ኹሉ ከኣ ልዑል ሃገራዊ ፍቕርን ክብሪ ሃገርናን ህዝብናን እንውንን፡ ንኹሉ ሕግን ስርዓትን ናይዛ እንነብረላ ዘሎና ሃገር እነኽብርን ዝያዳ ኹሉ ድማ ነቲ ብመስዋእቲ ኣሽሓት መንእሰያት ዝተረኽበ ክብሪ ሃገርናን ህዝብናን ንምዕቃብ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ንዝወርድ በደላት ዘይንቕበልን ምእንቲ ክብረት ሃገርናን ህዝብናን፡ ሃገርና ካባና እትጠልቦ ንምምላእ ቅሩባት ከምዝኾናን ብውልቃዊ ረብሓታትና ከይተታለልና ረብሓ ህዝብናን ሃገርናን እነቐድም ብዝኾነ ይኹን ታህዲዳት ከይተሰናበድናን ብናይ ሓሶት ደሮና ከይተዓብሎኽናን ኣብ ናይ ቋሕ-ሰም ዘሎ ካልኢት ኣብ ጎኒ መንግስትናን ህዝብናን ሃገርናን ደው ብምባል ወትሩ ኣበርቲዕና እንሰርሕ ምሩጻት ዜጋታት ኤርትራ ኢና። Read more
ዒድ መውሊድ ኣ’ነቢ ኣ’ሸሪፍ፣ ሎሚ ብልዑል...
ዒድ መውሊድ ኣ’ነቢ ኣ’ሸሪፍ፣
ሎሚ ብልዑል ማዕርግ ተባዒሉ።
ዒድ መውሊድ ኣ’ነቢ ኣ’ሸሪፍ ሎሚ 24 ጥሪ ኣብ መላእ ሃገር ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተባዒሉ።
ኣብ ኣስመራ – መስጊድ ኣልኹላፋእ ኣልራሽዲን ኣብ ዝተኻየደ – ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፣ መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን እስልምናን፣ ኣምባሳደራትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መእመናንን ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት፣ ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ “እንቋዕ ናብዚ ክቡር በዓል ብሰላም ኣብጽሓና” ድሕሪ ምባል፣ ብምኽንያት’ዚ ክቡር በዓል ንዘኽታማት ክንሕግዝን ንስድራ ስውኣት ክንኣልን ክንሕብሕብን ከምዝግባእ ምኽሮም ለጊሶም። Read more
ተወሳኺ ብዛዕባ ሲ.ኣይ.ኤ – መጽሓፍ “Once Again...
ተወሳኺ ብዛዕባ ሲ.ኣይ.ኤ
መጽሓፍ “Once Again About the CIA
መጽሓፍ “Once Again About the CIA”፡ (ተወሳኺ ብዛዕባ ሲ.ኣይ.ኤ) ብትካል ሓበሬታ ሕብረት ሶቬት ነበር (Novosti Press Agency) ኣብ 1988 ዝተሓትመት ኮይና ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣመሪካ – ሲ.ኣይ.ኤ ኣብ ግዜ ዝሑል ኲናት ኣብ መላእ ዓለም ንዘካየዶ ሸርሕታትን ቅንጸላን እተዘንቱ እያ። ትካል ሓበሬታ ኖቮስቲ፡ ኣብ 140 ሃገራት ዝተፈላለየ ጽሑፋት ብ45 ቋንቋታት ዝዝርግሕ ዝነበረ እዩ። ንገለ ክፋል ናይታ መጽሓፍ ማለት ንድሕረ-ባይታ ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣመሪካን ኣብ ኣፍሪቃ ዘካየዶ ምስጢራዊ ኲናትን ድማ ጸሚቚና ነቕርበልኩም – ሰናይ ንባብ፦ |PDF|
መንእሰያት መምህራን ኣብ ምዕባለ ሃገር...
መንእሰያት መምህራን ኣብ ምዕባለ ሃገር
ኣበርክቶኦም ዝያዳ ከሐይሉ ኣቦ-መንበር
ሃማመተኤ ኣዘኻኺሩ።
መንእሰያት መምህራን – ኣብ ምዕባለ ሃገር ኣበርክቶኦም ዝያዳ ከሐይሉ ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሱልጣን ስዒድ፣ ንወከልቲ ጨንፈር መንእሰያት መምህራን ዞባ ማእከል ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር ኣዘኻኺሩ።
ኣቶ ሱልጣን፣ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ሓያል ባህሊ ዓያይነት ከምዝምርኰስ፤ ንምዕባለ ዓያይነት ድማ እቲ ቀንዲ ጸጋ ሰብኣዊ ዓቕሚ ከምዝኾነ፣ እዚ ድማ ብኣውራኡ ኣብ መንእሰያት ከምዝምርኰስ ኣብሪሁ። Read more