January 31, 2013

ብኣገባብ ኣመሃህራ ብቋንቋ ዓረብ ዝሰልጠኑ ...

ብኣገባብ ኣመሃህራ
ብቋንቋ ዓረብ ዝሰልጠኑ
ኣሰልጠንቲ ተመሪቖም።

ብኣገባብ ኣመሃህራ  ብቋንቋ  ዓረብ ዝሰልጠኑ  ኣሰልጠንቲ ተመሪቖም።ካብ ኩለን ዞባታትን ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርትን ዝተዋጽኡ 42 መምህራን፣ ብኣገባብ ኣመሃህራ ብቋንቋ ዓረብ ሰልጢኖም። እቲ ኣብ ምድላው መምህራን ኣስመራ ዝተዋህበ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና፣ ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ዓረብ፣ ኣገባብ ኣመሃህራ ቋንቋ ዓረብ ንጀመርቲ፣ ከምኡ’ውን ትምህርታዊ ስነ-ፍልጠት ዝርከብዎም ሽዱሽተ ዓውድታት ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ብሱዳናውያን ክኢላታት’ዩ ተዋሂቡ። Read more

January 30, 2013

ዕብየትን ክብረትን ኣህጉር ኣፍሪቃ በቲ ዝድለ...

ዕብየትን ክብረትን ኣህጉር ኣፍሪቃ በቲ
ዝድለ ደረጃ ንምርግጋጽ፣ ሱር በተኽ ለውጢ የ
ድሊ ከምዘሎ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

 ዕብየትን ክብረትን ኣህጉር ኣፍሪቃ በቲ  ዝድለ ደረጃ ንምርግጋጽ፣ ሱር በተኽ ለውጢ የ ድሊ ከምዘሎ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።ኣድማዕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምሕያል፣ ዕብየትን ክብረትን ኣህጉር ኣፍሪቃ በቲ ዝድለ ደረጃ ንምርግጋጽ፣ ሱር በተኽ ለውጢ የድሊ ከምዘሎ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “ሱር በተኽ ለውጢ ንዕብየትን ክብረትን ኣፍሪቃ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰሙናዊ ሓተታ፣ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኣዲስ- ኣበባ ንዝተጋብአ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ጠቒሱ፣ ኣብ ቻርተር ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝሰፈሩ ዓበይቲን ቅዱሳትን ዕላማታት፣ ሓድነት ህዝብታት ኣፍሪቃ ምድልዳል፤ ብሓባራዊ ምትሕግጋዝ ቍጠባዊ ምዕባለ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምድራኽ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራትን ዝኽሰት ግርጭታት ብመንጎኝነትን ዳንነትን እናፈታሕካ ሰላምን ቅሳነትን ህዝብታት ኣፍሪቃ ምውሓስ ዝብሉን ካልኦትን ነጥብታት ይርከብዎም። እንተኾነ ግን፣ እቲ ውድብ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ፍርቂ ዘመን ዕድመኡ፣ ዝቘመሉ ዕላማታትን መብጽዓታትን ኣብ ምፍጻም ብኣድማዕነት ክዋሳእ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ። Read more

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ትግባረ ብይን ዶብ...

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ትግባረ ብይን ዶብ ኤርትራን
ኢትዮጵያን ዕቱብ ተገዳስነት ከርኢ፣
ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ጸዊዑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ትግባረ ብይን ዶብ ኤርትራን  ኢትዮጵያን ዕቱብ ተገዳስነት ከርኢ፣  ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ጸዊዑ።ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ትግባረ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕቱብ ተገዳስነት ከርኢ፣ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ጸዊዑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ – ከም ሓደ ካብ ኣውሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ መጠን፣ እቲ ስምምዕ ብዘሰክሞ ሓላፍነት መሰረት፣ ንትግባረ ናይ’ቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2002 ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕቱብ ተገዳስነት ከርኢ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ጸዊዑ። Read more

January 29, 2013

ሕወሓት የመሰንጠቅ አደጋ ተጋረጠበት

ሕወሓት የመሰንጠቅ
አደጋ ተጋረጠበት

ሕወሓት የመሰንጠቅ አደጋ ተጋረጠበትአውራምባ ታይምስ (አዲስ አበባ) – በኢትዮጵያ ህዝቦች አብዮታዊ ዴሞክራሲያዊ ግንባር (ኢህአዴግ) ውስጥ ወሳኝ ድርሻ ያለው ሕዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ከአስራ አንድ አመት በፊት ያጋጠመው አይነት የመሰንጠቅ አደጋ ሰሞኑን እንደተጋረጠበት የአውራምባ ታይምስ ምንጮች ከአዲስ አበባ ገለጹ፡፡ ከአቶ መለስ ዜናዊ ህልፈት በኋላ በድርጅቱ አንጋፋ ታጋዮችና በብአዴን አመራሮች መካከል የተፈጠረው አለመግባባት ከጊዜ ወደጊዜ እየሰፋ በመሄዱ አሁን ከፍተኛ ደረጃ ላይ መድረሱን የገለጹት የአውራምባ ታይምስ ምንጮች በህወሓት ውስጥ አንጋፋ የድርጅት አባላትን የሚያወግዝ ቡድን በአዲስ አበባና በመቀሌ ለሚገኙ የህወሓት አባላት ደብዳቤ ማሰራጨቱን መረጃዎቹ ጠቁመዋል፡፡ Read more

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት...

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፣ ኣብ ዓመተ 2012 ክትግበሩ
ካብ ዝወጠኖም መደባት እቶም ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ከምእተሰላሰሉ ገሊጹ።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፣ ኣብ ዓመተ 2012 ክትግበሩ ካብ ዝወጠኖም መደባት እቶም ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ከምእተሰላሰሉ ገሊጹ።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኲላን ኲናት ኤርትራ፣ ኣብ ዓመተ 2012 ንትግባረ ካብ ዘበገሶም መደባት ስራሕ ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ብጽቡቕ ከምእተሳለጡ፣ ማእከላይ ባይቶ’ቲ ማሕበር ብ25 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ኣኼባ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፣ ስንኩላን ነብሶም ንምኽኣል ዝሕግዙ ብኣስታት 18 ሚልዮን ናቕፋ 1,105 ዓበይትን ንኣሽቱን ፕሮጀክታት ከምእተተግበሩ፤ 681 ኣባላት ድማ ተጠቀምቲ መደብ ውህለላን ልቓሕን ከምዝኾኑ ክጥቀስ እንከሎ፣ ዓቕሚ ኣባላት ንምዕባይን መነባብሮኦም ንምምሕያሽን ብመልክዕ ልቓሕ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ ዘሎ ገንዘብ ኣብ ምምላስ ግን ብዙሕ ስራሕ ከምዘድሊ በሪሁ። Read more

ባይቶ ጸጥታን ኤርትራን ምኽንያት ምሕላፍን...

Eritrean community festival in Jeddah

President Isaias receives message from Kenyan...

Messages of congratulations

Press Statement – Issue is not the lifting...

Joint Statement of the Bahr Dar Meeting Between...