December 29, 2012

ሓቀኛ ቍጠባዊ ዕቤት፡ ኣብ ደረጃ መነባብሮን...

ሓቀኛ ቍጠባዊ ዕቤት፡ ኣብ ደረጃ መነባብሮን ዓይነት
ህይወትን ዝበዝሐ ህዝቢ ዝመጽእ ምዕባለ ከምዝኾነ፡
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ

بماسبة العام الجديد  الرئيس إسياس أفورقى  : النمو الإقتصادى الحقيقى هو الذى يعمل على تحسين معيشة غالبية الشعب
Read the full PDF here

December 27, 2012

ኤርትራውያን ተቐማጦ ሎስኣንጀለስን ከባቢኣን፣ ...

ኤርትራውያን ተቐማጦ ሎስኣንጀለስን ከባቢኣን፣
ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ኣቃኒዖም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ሎስኣንጀለስን ከባቢኣን፣  ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ኣቃኒዖም።ኤርትራውያን ተቐማጦ ሎስኣንጀለስን ከባቢኣን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ብውህደት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን ንዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት ልምዓትን ጥሙር መኸተን ዘለዎም ኣድናቖት ብምግላጽ፣ እጃሞም ብዝለዓለ ከበርክቱ ድልዋት ምህላዎም፣ ኣብ ዘቃንዕዎ ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ኣረጋጊጾም።

ኣቦ-መንበር ሽማግለ ህዝባዊ መኸተ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፣ “መኸተና – ካባና ብኣና ንዓና” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ መግለጺ፣ ብደሙን ረሃጹን ናጽነቱ ዘረጋገጸን ዘውሓሰን ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ልምዓት’ውን ምሉእ ምትእምማን ኣብ ነብሱ ጌሩ ዘሳልጦ ዘሎ ንጥፈታት መርኣያ ተዓዋትነት መትከል ርእሰ-ምርኰሳ ከምዝኾነ ብምምልካት፣ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሎስኣንጀለስን ከባቢኣን፣ ኣብ ጎኒ ህዝቦምን መንግስቶምን ኮይኖም ኣብ ልምዓትን መኸተን ዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ቀጻሊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። Read more

December 26, 2012

ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን፣ ኣብ 26...

ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን፣
ኣብ 26 ዓድታት ፕሮጀክትታት ቀረብ
ጽሩይ ዝስተ ማይ ከምዘዋደደ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን፣  ኣብ 26 ዓድታት ፕሮጀክትታት ቀረብ  ጽሩይ ዝስተ ማይ ከምዘዋደደ ሓቢሩ።ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን፣ ኣብ ዓመተ 2012 ኣብ 42 ዓድታት ፕሮጀክትታት ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምስልሳል ብዘካየዶ ጻዕሪ፣ ኣብ 26 ዓድታት መደባቱ ከሳልጥ እንከሎ፣ ኣብ 16 ዓድታት ዝተጀመረ ዕዮ ድማ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

እዚ ብምውህሃድ ህዝቢ፣ መንግስትን መሻርኽትን ዝተዋደደ ፕሮጀክትታት ማይ፣ ብማሽን፣ ድሪልን ኢድን ዝተዃዕታ ዒላታት፤ ባስካታት፤ መዐደሊ ንቑጣታትን ምዝርጋሕ ሻምብቆታት ማይን ከምዘጠቓልል ዘመልከተ’ቲ ሓበሬታ፣ ካብ’ቲ ፕሮጀክትታት ኣብ 20 ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓት ክትከል እንከሎ፣ 6 ብጀነረይተ ከምዝሰርሓ ኣነጺሩ። Read more

December 19, 2012

መንግስቲ ወፍሪ ንምትብባዕ ዝወስዶ ዘሎ...

መንግስቲ ወፍሪ ንምትብባዕ ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶታት፣
ናብ ግብራዊ መድረኽ ዘሰጋገር ምዃኑ ኣውፈርቲ ገሊጾም።

መንግስቲ ወፍሪ ንምትብባዕ ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶታት፣  ናብ ግብራዊ መድረኽ ዘሰጋገር ምዃኑ ኣውፈርቲ ገሊጾም።መንግስቲ ኤርትራ ቍጠባዊ ወፍሪ ንምትብባዕ ኣብ 2ይ ዋዕላ ዝገለጾ ኣብ 2013 ዝትግበር ምትዕርራይ ናይ ፖሊሲ፣ ብቐንዱ ድማ ዘለዎ ድልውነት፣ ናብ ትስፉው ግብራዊ መድረኽ ዘሰጋገር ምዃኑ፣ ክብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ሓቢሮም።

እቶም ካብ 17 ክሳብ 18 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተቓንዐ 2ይ ዋዕላ ቊጠባዊ ወፍሪ ዝተሳተፉ ዜጋታት፣ እዚ ሕጂ ብመንግስቲ ዝውሰድ ዘሎ – ንወፍሪ ዘተባብዕ፣ ዓይነትን ተኽእሎታትን ወፍሪ ብንጹር ዘረድእ ኣተባባዒ ተበግሶታት፣ ኣብ ምፍጣር ሽቕለት፣ ኣብ ምርግጋእ ዋጋታት፣ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ምርሻድ ሃገራዊ ቊጠባ ዝህልዎ ኣበርክቶ ቀሊል ከምዘይከውን ገሊጾም። Read more

December 18, 2012

ካልኣይ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ...

ካልኣይ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ
ኣብ ኤርትራ ተኸፊቱ።

ካልኣይ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ  ኣብ ኤርትራ ተኸፊቱ።ካልኣይ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ፣ “ልምዓት ህዝቢ፣ ብህዝቢ ንህዝቢ” ብዝብል ቴማ ሎሚ 17 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቀትሪ ተጀሚሩ።

ኣብ መኽፈቲ ናይ’ዚ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ 700 ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዝሳተፍዎ ዘለዉ ዋዕላ፣ ዳይረክተር ማእከል ወፍሪ ኤርትራ ዶክተር ወልዳይ ፍጡር ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ኤርትራውያ ኣውፈርቲ – መንግስቲ ንዘቕረቦ ናይ ወፍሪ ጻውዒት ተቐቢሎም ብኸምዚ ድሙቕ አገባብ ክሳተፉ ምርኣይ፣ መግለጺ ናይቲ ኣብ ሃገሮም ዘለዎም እምነትን ፍቕርን ምዃኑ ብምሕባር፣ ንተሳተፍቲ ኣብ ፖለሲታት ወፍሪን ዘሎ ተኽእሎታትን ዘተኰረ ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። Read more

International Youth Day observed

President Isaias met and held talks with Crown...

Agreement on Peace, Friendship and Comprehensive...

Meeting of Presidents Isaias Afwerki and Ismail...

President Isaias met and held talks with Crown...

Eritrean Delegation led by Mr. Abdelkadir Hamdan...