November 19, 2012

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሃገረ ቐጠር...

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ
ሃገረ ቐጠር ተዛዚሙ።

ብ15 ሕዳር ብውዕውዕ ሃገራዊ መንፈስ ዝጀመረ 4ይ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሃገረ ቐጠር፣ ብ17 ሕዳር ብዝተኻየዱ ንጥፈታትን ኣኼባ ህዝባዊ መኸተን ተዛዚሙ።

እቶም ዜጋታት፣ ህዝቢ ተጠቃሚ ጸጋታት ሃገር ዝኾነሉ ባይታ ንምፍጣርን ማሕበረ-ቊጠባዊ መነባብሮኡ ንምምሕያሽን ብመንግስቲ ንዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዘለዎም ኣድናቖት ብምግላጽ፣ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋትን መኸተኦም ንምሕያልን ካብኦም ዝሕተት ከም ዘማልኡ፣ ኣብ ዝተቓንዐ ንህልው ኩነታት ሃገርን ሃገራዊ መደባት መኸተን ዝምልከት ሰሚናር ኣረጋጊጾም። Read more

November 18, 2012

ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር፣ ፈስቲቫል –...

ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር፣ ፈስቲቫል – ባህሎምን
መንነቶምን ዓቂቦም ንክኸዱ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊጾም።

ኣብ ሃገረ ቐጠር ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ካብ 2009 ጀሚሮም ዓመታዊ ዘካይድዎ ዘለዉ ፈስቲቫል፣ ባህሎምን መንነቶምን ዓቂቦም ንክኸዱን ደቆም ብክብርታት ሕብረተሰቦም ንክዅስኰሱን፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓድነቶም ኣትሪሮም ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ መደባት ንኸዕዝዙ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊጾም።

ፈስቲቫል፣ ሃገራዊ ናይ ምትእኽኻብ ሃዋህው ብምፍጣር ህልው ኩነታት ሃገሮምን ህዝቦምን ዝምዝገብ ዘሎ ገስጋስን ዝፈልጡሉ’ውን ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ዜጋታት፣ ዓመት መጸ ብሃንቀውታ ከምዝጽበይዎን ልዑል ምድላዋት ከምዘካይዱሉን ብምምልካት፣ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ዝተራእየ ድምቀን ብዙሕነት መደባትን ካብዚ ከምዝነቅል ኣብሪሆም። Read more

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሚኒስተር ...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሚኒስተር
ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ቱርኪ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ሎሚ 16 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ቱርኪ ሚስተር ኣህመት ዳቩ ቶግሉ ኣብ ህንጻ ሃገር ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር ኣህመትን፣ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሰፊሑ ዘትዮም። Read more

November 16, 2012

Dirar Fessahaye | ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2012 ተሳቲፋ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመታ ጎብለል መላእ ኣፍሪቃ ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 14 ሕዳር 2012 ብህዝቢን መንግስቲን ወግዓዊ መቐበሊ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝተገብረላ እዋን ዝተወስደ ስእሊ።

Eritrean Sport Commission
Public Relations Dep’t

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ቐጠር ሎሚ 15 ሕዳር...

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ቐጠር
ሎሚ 15 ሕዳር ብወግዒ ተኸፊቱ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሃገረ ቐጠር፣ ሎሚ 15 ሕዳር ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ከምእተኸፍተ፣ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ኣብ’ቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፣ ኣምባሳደራትን ወከልቲ ሃገራትን ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠርን ተረኺቦም ነይሮም። Read more

China: Contributing to World Peace and Development

Pre-recorded Message delivered by Foreign Minister...

Meskel Holiday celebrated nationwide

The “Interventionist” and “Destabilizer”...

Reflections on the International Day of Peace

The “Needy and Less Capable” African