August 31, 2012

ኣብ’ዛ ብነዊሕ ኲናት ዝዓነወት ሃገር፣ ዘላቒ...

ኣብ’ዛ ብነዊሕ ኲናት ዝዓነወት ሃገር፣ ዘላቒ ቊጠባዊ ዕብየት ዘረጋግጽ ድልዱል ቊጠባዊ መሰረት ምንጻፍ፣ ኣዚዩ ከቢድ ብድሆ ምንባሩ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ኣብ’ዛ ብነዊሕ ኲናት ዝዓነወትን ሩፍታ ዘይህብ ግጭታትን ተጻብኦን ዝሓለፈትን ሃገር፣ ዘላቒ ቊጠባዊ ዕብየት ዘረጋግጽ ድልዱል ቊጠባዊ መሰረት ምንጻፍን ውሕስነት መግቢ ዘጨብጥ ሓያል ሃገራዊ ቊጠባ ምህናጽን ኣዚዩ ከቢድ ብድሆ ምንባሩ፣ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “ንኣድማዒ ቊጠባዊ ልምዓትን ዕብየትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰሙናዊ ሓታተ፣ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ሃገራዊ ልምዓትን ቊጠባዊ ሓርነትን ንምርግጋጽ ሰፊሕ ዝርግሐ መስመራት፣ እናዓበየ ዝኸይድ እኹል ቀረብ ማይ፣ ብቑዑን ስሉጥን መጓዓዝያን ርኽክብን፣ ኣድማዕቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፣ ዕብየት ካልኦት ጽላታት ምስናይ ፖሊሲታቶምን መቓንን ሰባዊን ቴክኖሎጂካዊን ጸጋታቶምን ብከቢድ ክጸዓረሎም ምጽንሑ ብምጥቃስ፣ ዛጊት ምቕሉል ዕማም ተሳሊጡ ከምዘሎ ኣነጺሩ። Read more

August 30, 2012

ካብ ዓዲ-ጥልያን ዝመጻ ዜጋታት፡ ኣብ ጋሽ-ባርካ...

ካብ ዓዲ-ጥልያን ዝመጻ ዜጋታት፡
ኣብ ጋሽ-ባርካ ንዝተዓዘብኦ ትሕተ-
ቅርጺ ሕርሻ ኣድኒቐን


Read the full PDF here

“ቍሸት ጥዕና፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዜጋታት...

“ቍሸት ጥዕና፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዜጋታት ንዝተበጽሐ

ምዕባለ ዘጕልሕ’ዩ” ነጋድያን ፈስቲቫል ዝሳለጥ ንጥፈታት ብእኩብ ኣብ ሓደ ቍሸት ብምቕራቡ ዝርከብ ፍልጠት ብቐሊል ከምዘይጥመት ብምጥቃስ፡ ገስጋስን ኤርትራ ዘንጸባርቕ’ዩ” ክብሉ “ንብሩህ መጻኢን ተስፋ ዘስንቕ ኣብሪሆም።

Read the full PDF here

August 29, 2012

ዋዕላ ቊጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ተዛዚሙ።

ዋዕላ ቊጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ተዛዚሙ።

“ልምዓት ህዝቢ፣ ብህዝቢ ንህዝቢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ27 ነሓሰ ኣብ ሆቴል ኣስማራ ፓላስ ዝተኸፍተ ዋዕላ ቊጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ሎሚ 28 ነሓሰ ተዛዚሙ።

ኣብ መዛዘሚ ናይ’ቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፣ ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ኤርትራ ዶክተር ወልዳይ ፍጡር ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ እቶም ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ዝቐረቡ ርእይቶታትን ሓሳባትን ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ዝካየድ ካልኣይ ዋዕላ ኣገደስቲ ምዃኖም ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ወፍሪ ንምትብባዕ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብር፤ ምዃኑ ኣነጺሩ። Read more

August 26, 2012

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ...

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ ብልዑል ማዕርግ ተኻዪዱ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን-ዲሲ፣ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ክፍላተ-ሃገርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ዜጋታትን ኣዕሩኽ ኤርትራን ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ካብ 17 ክሳብ 19 ነሓሰ ብውዕውዕ ሃገራዊ መንፈስ ተቓኒዑ።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ብድምቀት ዝቐጸለ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፣ ንቊጠባዊ ገስጋስ ኤርትራ ብዘብርህ ኣስተምህሮ፤ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መደባት፤ ስፖርታዊ ውድድራት፤ ከምኡ’ውን ንንጥፈታት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢን ንህልው ኲነታት ሃገር፣ ከባቢናን ዓለምን ዘብርህ ሰሚናራት ደሚቑ ምቕናዩ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። Read more

President Isaias’ speech in connection with the...

Eritrean nationals celebrate Independence Day...

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

Independence Day celebrations

Workshop on Preserving Ancient Manuscripts

A Look Back on Eritrea’s Historic 1993...