June 20, 2011

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ብደረጃ ሃገር ኣብ ናቕፋ ተዘኪራ።

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ብደረጃ ሃገር ኣብ ናቕፋ ተዘኪራ።

20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ “ኤርትራ – ስልምቲ ርስቲ ሰማእታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብደረጃ ሃገር ኣብ ከተማ ናቕፋ ብኽብ ዝበለ ስነ-
ስርዓት ተዘኪራ።
ኣብቲ ኣብ ዕርዲ ‘ፊደል ፐ’ ዝተኻየደ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝብን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ምዕሩግ ጽንብል መበል 20 ዓመት ናጽነት፣ ነዚ ኣብ ታሪኻዊት ናቕፋ ዝበዓል ዘሎ ኣጋጣሚ ሰቲ ዘንጸፈ ምቕድም ምንባሩ ጠቒሱ፣ መዓልቲ ሰማእታትና ወትሩ ዓመት-ዓመት ምስ በዓል ናጽነት ጠቢቑ ዘዘኻኽረና መሰረታዊ ሓቅታት ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፣ ኤርትራ – ህዝባ ብራህዋ ዝነብረላ ኣብ ዕቤት እትግስግስ ክትከውን ምእንቲ፣ ብቐጻሊ ልምዓታዊ ትግሃትን ስራሕን እናጸበቐትን እናጠዓመትን ከምእትኸይድ፤ ናይ ዕድላትን መሰላትን ማዕርነት ዝሕለወላ፣ ኩሉ ግዴታኡን ሓላፍነቱን ግቡኡን ዘበርክተላን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነግሰላን ክትከውን፤ ከምኡ’ውን ናይቶም ሂወቶም ከይበቐቑ በጃ ህዝቢ ዝሓለፉ ብሉጻት ጀጋኑ ክብርታት ክንዝክር ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ባህሊ ብምዅስኳስን ብምዅላዕን፣ ኤርትራ ህዝባ ዝሕበነላ ስልጡን ክብርታት ዝዕንብበላ ክትከውን ናይ ዘካየድናዮ ዕማማት ኩነተ-ገስጋስ ምምዛን፣ ካብቲ መሰረታዊ ሓቅታት ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

ነዚ ሕድሪ’ዚ ዘዘኻኽረና ናይ ዓመት ዓመት ኣጋጣሚታት ጥራይ ዘይኮነ፣ ብጸሓይን ንፋስን ዝናብን ዘይሃስስን ዘይበርስን ሓወልትታትን ካልእ ስነ-ጥበባዊ ቅርስታትን ትእምርትታትን ክንተክል ከምዝግባእ ዘዘኻኸረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ናቕፋ ፍሉይ ዝገብሮ፣ ዳግም ናብ ዝኽርታትና ዝመልስ ብምዃኑ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወይዘሪ ጽጌረዳ ወልደጊዮርጊስ ብወገና፣ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ዕለተ ሰማእታትና ኣብ ናቕፋ ምዝካሩ፣ ንሕድርና ብዝያዳ ዘጽንዕ ዓሚቝ ዝኽሪን ዕዙዝ ፍሉይነትን ከምዘለዎ ገሊጻ።

ብድሕሪ’ዚ፣ ብህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ክእከብ ዝቐነየ ኣስከሬን ናይቶም ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ብኽብሪ ኣብ ዝተዳለወሉ መካነ-መቓብር ድሕሪ ምዕራፉ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳይት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር፣ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፣ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ወይዘሮ ልኡል ገብርኣብን ኣማሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወይዘሮ ጽገረዳ ወልደገርስግስን ኣብ’ቲ መቓብር ሓርበኛታት ሕቋፍ ዕንባባ ኣንቢሮም።

ኣብ መወዳእታ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ገረብ ስውእ ድሕሪ ምትካል፣ ብላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ህዝብን ተሰንዩ፣ ምስ ኣስከሬን ናይቶም ሓርበኛታት ዝተረኽበ ኣልባሳት፣ ዕለታዊ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መሳርሒታትን ካልእን ተዓዚቡ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ንጽንዓትን ተወፋይነትን ተጋደልቲን ደገፍን መስዋእትነትን ህዝብን ዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ ባህላዊ መደባት ቀሪቡ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

President Isaias met and held talks with Crown...

Agreement on Peace, Friendship and Comprehensive...

Meeting of Presidents Isaias Afwerki and Ismail...

President Isaias met and held talks with Crown...

Eritrean Delegation led by Mr. Abdelkadir Hamdan...

الملك سلمان يرعى اتفاقية السلام بين إريتريا...