June 29, 2015

“እመን ኣይትእመን”
ብመርበብ ሓበሬታ ዊኪሊኪስ ዝተቓልዐ ሰነዳት ከምዘለዎ!

“እመን ኣይትእመን”

ገጽ 3- “እመን ኣይትእመን” ብመርበብ ሓበሬታ ዊኪሊኪስ ዝተቓልዐ ሰነዳት ከምዘለዎ!
በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓቅታት እምበኣር፡ ዳይረክተር ቤት-ጽሕፈት መራኸቢታት ስርሑ ንምክያድ፡ ኣብ ክንዲ ወጻኢ ካብ ኤምባሲ፡ ካብ ውሽጢ ኤምባሲ ሓበሬታ ንምርካብ ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ምፍርራሕ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ናይ ህያባት ኣገባብ ምጥቃሙ፡
ናይ ዝምድናታት ወጻኢ ቋንቋ ብዘይምፍላጡ’ዩ። እዚ ድማ፡ ነቲ ዝድለ ዕላማ ዘስምር ኣይኮነን። ከም ዝፍለጥ፡ ዳይረክተር ቤት-ጽሕፈት መራኸቢታት፡ ናይ ኤምባሲ ደገፍን ምትሕብባርን የብሉን። ንኤምባሲ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓበሬታ ስለዘይምጡ ድማ፡ እቲ ኤምባሲ ኣብ ናይ ገዛእ-ርእሱ ምንጪታት’ዩ ዝምርኰስ። ኤርትራ ብቐዳማይ ደረጃ እትጥመት ናይ ስለያን ምክትታልን ሃገር ክነሳ፡ ዳይረክተር ቤት-
ጽሕፈት መራኸቢታት ነዚ ዝበቅዕ ዓቕሚን ተመኲሮን የብሉን። ዝኾነ ቋንቋ ኣይፈልጥን’ዩ። ከምኡ’ውን እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣስመራን እቶም 90 ሚእታዊት ስልጣን ተቖጻጺሮም ዘለዉ ክርስትያ ከበሳን ዝዛረቡሉ ቋንቋ እንግሊዝ’ውን ኣይፈልጦን’ዩ PDF

ارتريا .. في لقاء أعرف أهلك بالقاهرة ” تقصير...

Eritrean delegation participates at COMESA summit

Ethiopian Prime Minister returns home concluding...

Prime Minister Dr. Abiy Ahmed arrived in Asmara...

Eritrean community festival in Germany concludes

Festival of Nationals in Germany commences