January 3, 2014

ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ዓመታዊ ዘዳልዎ ናይ 21 ኪ/ሜ. ሃገራዊ ውድድር ጉያ ጽርግያ ( National Road Race Championship) ንመበል 20 ጊዜኡ ሰንበት 5 ጥሪ 2014 ኣብ ዞባ ዓንሰባ ከተማ ከረን ክካየድ’ዩ።

by Dirar Fessahaye | ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ዓመታዊ ዘዳልዎ ናይ 21 ኪ/ሜ. ሃገራዊ ውድድር ጉያ ጽርግያ ( National Road Race Championship) ንመበል 20 ጊዜኡ ሰንበት 5 ጥሪ 2014 ኣብ ዞባ ዓንሰባ ከተማ ከረን ክካየድ’ዩ።

ኣብዚ ካብ ኩለን ዞባታትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ዝተዋጽኡ ሓያላት ኣትሌታት ብክልቲኡ ጾታታት ዝሳተፍዎ ዓመታዊ ውድድር ሓያል ተወዳዳርነት ክንጸባረቖ ልዑል ትጽቢት ይግበረሉ። ዝሓለፈ ዓመት 8 ሓምለ 2012 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ሃገራዊ ውድድር ካብ ደቂተባዕትዮ ኣትሌታት ሳሙኤል ጸጋይ፣ ተወልደ እስቲፋኖስን ሙሉእ ዓንዶምን ካብ ደቀንስትዮ ድማ ኤደን ተስፋኣለም፣ ነብያት ሃብተማርምን ፍዮሪ ኣሰፋውን ዕዉታት ኮይኖም ውድድሮም ምዝዛሞም ይዝከር።

ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ርዝነት ዘለዎም ዓበይቲ ሃገራዊ ውድድራት ካብ ኣስመራ ወጻኢ ኣብ ዞባታት ከካይድ ምምዳቡ ንንጥፈታት ኣትሌቲክስ’ተን አአንገድቲ ዞባታት ዘሐይልን ንቀጻሊ ዕቤት ድርኺት ዝፈጥርን ተበግሶ ብምዃኑ ክነኣድ ዝግብኦ ተበግሶ’ዩ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

President Isaias met and held talks with Crown...

Agreement on Peace, Friendship and Comprehensive...

Meeting of Presidents Isaias Afwerki and Ismail...

President Isaias met and held talks with Crown...

Eritrean Delegation led by Mr. Abdelkadir Hamdan...

الملك سلمان يرعى اتفاقية السلام بين إريتريا...