February 17, 2013

112 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ካልኣይ መድረኽ ውድድር ‘ፈንቅል ቻለንጅ’ ሎሚ ኣብ ጐደናታት ከተማ ባጽዕ ተኻዪዱ።

112 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ካልኣይ መድረኽ
ውድድር ‘ፈንቅል ቻለንጅ’ ሎሚ
ኣብ ጐደናታት ከተማ ባጽዕ ተኻዪዱ።

112 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ካልኣይ መድረኽ ውድድር ‘ፈንቅል ቻለንጅ’ ሎሚ ኣብ ጐደናታት ከተማ ባጽዕ ተኻዪዱ።‘ፈንቅል ቻለንጅ’ ዝተሰምየ ኣህጉራዊ መልክዒታት ዘማልአ ቅድድም ብሽግለታ፣ ሎሚ 17 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ብዝተኻየደ ውድድር ተዛዚሙ። ኤርትራዊ ተስፋይ ኣብርሃ ካብ ሬድሲ ካመልስ ድማ ዕውት ኮይኑ።

‘ፈንቅል ቻለንጅ’ ክልተ ውድድራት ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ እቲ ፈላሚ ውድድር ትማሊ ኣብ መስመር ሕርጊጎ – ጊንዳዕ ከምእተኻየደን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ታሽዓይ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ከምእተዓወትሉን ይፍለጥ።

ኣብዚ ሎሚ ኣብ ጐደናታት ከተማ ባጽዕ ዝተኻየደ ካልኣይ ውድድር፣ ኣብ መፈጸምታ ኣብ ዝተኻየደ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር፣ ኣልጀርያዊ ተቐዳዳማይ ሃናቺ ዓብደልባስጥ ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት እንከሎ፣ ሜሮን ኣማኑኤል ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ከምኡ ኣልጀርያውያን ሓምዛ ፈይሰል፣ ዕዘዲን ላጋብን ዓብደላ ቢንዩሱፍን፣ ንሃናቺ ተኸቲሎም ካብ ካልኣይ ክሳብ ሓምሻይ ደረጃ ሒዞም።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ውድድር፣ ኩሎም ተቐዳደምቲ ኣብ ሓደ ግዜ ስለዝኣተው፣ ብድምር ግዜ ተስፋይ ኣብረሃ ዕዉት ክኸዉን እንከሎ፣ ካብ ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ዓቐበትን ጎብለል ድማ ዓወት ገብረመድህን ካብ ሬድሲ ካመልስ ኮይኑ።

ዕዉታት ድማ ዝተዳለወሎም ሽልማት ካብ ኢድ ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወ/ሮ ጽገረዳ ወልደገርግስ ተቐቢሎም።

ብደረጃ ጋንታታት፣ ሬድሲ ካመልስ ቀዳመይቲ ክትከዉን እንከላ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ክለብ ጂ.ኤስ.ፒ ኣልጀርያን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን።

ኣብዚ ሎሚ ዝተኻየደ ውድድር፣ ኣልጀርያውያን ተቐዳደምቲ ዘርኣይዎ መኸተ ዝድነቕ’ዩ። ዘመዝገብዎ ውጽኢት ከኣ ነዚ ውድድር’ዚ ክሳብ ክንደይ ተዳልዮምሉ ከምዝመጹ የመልክት።

ሃገራዊ ፈደሬሽን ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ካብ ካልእ እዋን ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ሎሚ ዓመት ሰለስተ ኣህጉራዊ መለክዒታት ዘለዎ ውድድር’ዩ ሰሪዑ። በዚ መሰረት፣ ካልኣይ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ዙር ኤርትራ፣ ዝመጽእ ሰሉስ ኣብ መስመር መንደፈራ – ከረን ብዝካየድ ውድድር ክፍልም’ዩ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...