ደብዳበ ኣንበብቲ
ንኣብ ጀርመናዊት ጋዜጣ „ዙድ ዶቸ ሳይቱንግ“ ናይ ዕለት 18.01.2012 ኣብ ትሕቲ „ቅትለት ጀርመናውያን ቱሪስትታት ኣብ ኢትዮጵያ – ምስ ወተሃደራት ኣብ ምድረ-በዳ“ ዝብል ኣርእስቲ ብ ላርስ ላንገናው ዝተጻሕፈ ዜና…
መርግጺ ማርቲን ሲመርማንን ክርስትያን ግላውሲንገርን
ገንሸን ሃሰስ ኢልካ: ንማዕከናት ዜና ምጽላው
ብማርቲን ሲመርማንን
ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት: ኤርትራ ዳግማይ ኣብ ማዕከናት ዜና ብኣሉታ ተገሊጻ:: „ኣብ ኢትዮጵያ ኤውሮጳውያን ቱሪስት ኣብ ክልል ዓፋር ተቐቲሎምን ተጨውዮምን:: ክልተ ጀርመናውያን: ክልተ ሃንጋራውያን: ሓደ ኣውስትርያዊ: ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ዑደቶም: ህይወቶም ስኢኖም:: ንክልተ ጀርመናውያንን ክልተ ኣሰነይቶም ኢትዮጵያውያንን ግን እቲ ስቅያት ዘብቅዐ ኣይመስልን:: ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ: በረኸት ስምኦን ከምዝሓበሮ ተጨውዮም ኣለዉ:: እቲ ኣብዚ ክቐርብ ዘለዎ ሕቶ: እቶም ቱሪስት: ናብዚ ቦታ ዑደት ከይፍጸም ዘጠንቅቕ ሓበሬታ ካብ ነዊሕ ግዜ እንዳሃለወ: ዕሽሽ ምባሎም ኢዩ:: ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን: ብተደጋጋሚ ምጭዋይን መጥቃዕትታትን የጋጥሙ ነይሮም ኢዮም:: ይኹን’ምበር: ብቑሩብ ሃስያ ሓሊፎም::
ከምዚኦም ዘስካሕክሑ ፍጻሜታት ምስ ዘጋጥሙ ከኣ: ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ: ከይመርመረ ሻቡ በደለኛ ገንሸል ይረቁሕ:: ነቶም ቱሪስት ሓደጋ ዘውረዱ ሸፋቱ: ዓላሚቶም ኤርትራ’ያ ይብል::
በዚ ኣየብቀዐን:: ኣተሓሕዝ ኣቢሎም: መሳርሕታት ፕሮፖጋንዳ ኢትዮጵያ ብልዕሉ ናህሪ: ቅትለትን ጭውያን ቱሪስት ጥራይ ኣይኮነን:: ኤርትራ ኣብ ወርሒ 1: 2011: ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሓደጋ ከተውርደሉ ሽርሒ’ኳ መዲባ እንተነበረት: ንስክላ ከምዝፈሸል ተገይሩ:: እዚ ናይ ሕጂ ኣጋጣሚ: ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ኢዩ:: ምኽንያቱ: ኣብ ዝመጽእ ሰሙን: ኣኼባ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ:: „ኤርትራ ንኩሉ’ዚ ዞባ ክትዝርግ ድልየታ ኢዩ::“ ክብል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ወሲኹ ይሕብር::
ብተወሳኺ: ዒላማ መጥቃዕቲ ናይ’ዞም ብመንግስቲ ኣስመራ ዝዕለሙ ሸፋቱ: ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኢዩ::
ኩሎም ማዕከናት ዜና: ነዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዝግለጽ ድራማ ናይ ክልል ዓፋር የጋውሓ:: ሽሕ’ኳ እዚ ኣገባብ ፕሮፖጋንዳ ኢትዮጵያ: ካብ ነዊሕ ግዜ እንዳተነጸረ እንተመጸ: ዋላ ሓንቲ መደበር ዜና ትኹን ጋዜጣ ነቐፌታዊ ሕቶ ኣየቕረበትን:: በንጻሩ’ኳ ደኣ ገሊአን ጋዜጣታት: ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶባዊ ምስሕሓብ ከምዘለወንን: ኤርትራ ንኢስላማውያን ጥሩፋት ሶማላውያን ወተሃደራዊ ደገፍ ከምትገብረሎምን ይሕብራ::….
ኤርትራ ንግብረ-ሽበራዊ ንጥፈታት ትድግፍ’ያ ኢልካ ምጥቃን: ኣብዚ ኢትዮጵያ ብግህሰት መሰል-ሰብን በስገዳድ ዘተግብርዎ ዘለዉ ሰፈራታት: ተሪር ኣህጉራዊ ክስታት ዝወርዳ ዘሎ ግዜ: ካብ’ቲ ክስታት ንምግልጋል ክትጥቀመሉ: ከም ምቹእ ኣጋጣሚ ትርእዮ::
ክውንነትን ፍሽለት ነቐፌታዊ ጋዜጠኝነትን
ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ: ሓደ ካብኦም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት: ግርማ ኣስመሮም ሽዑ ንሽዑ ነቲ ክሲ „ፍጹም ሓሶትን ፈጠራን“ ኢዩ ክብሉ ነጺጎሞ:: ዝኾነ ነገረ: ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝፍጸም: ንኤርትራ ምጥቃን: ልማድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ: ግርማ ኣስመሮም ኣጥቢቑ ገሊጹ:: ከምዚ ዓይነት መግለጺ ግን: ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ: ኣብ ማዕከናት ዜና ኣቃልቦ ኣይረክብን ኢዩ::“ገለ ትርፍስ ክርከቦ ይኽእል ኢዩ“ ካብ ዝብል እምነት: ኢትዮጵያ ብፕሮፖጋንድኣ: ንኤርትራ ዛጊት ኣጸሊማታ ትርከብ::
እዚ ኸኣ መቐጸልታ ናይ’ቲ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ኮይኑ: ንኹሉ ውሽጣውን ግዳማውን ግጭታት ናይ’ታ ሃገር ማለት – እዚ ቀጻሊ ብኢትዮጵያ ዝጎሃሃር ዘሎ ግጭት ሶማልያ: ኩሎም ብዝተፈላልዩ ዕጡቓት ሓርነታውያን ውድባት ኢትዮጵያ ዝካየዱ መጥቃዕትታት: – ሕጂ ኸኣ መጥቃዕትታት ኣብ ክልል ዓፋር ዝውሰኾ: ጠንቁ ኤርትራ’ያ ትብል:: ከምዚኦም ዓይነት መጥቃዕትታት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ዘጋጠምሉ: ጠንቁ ኤርትራ ከምዘይነበረት ጥራይ ዘይኮነት: እኳ ድኣ: ኣብ ምፍታሕ ናይቶም በቶም ዓፋር: ዝተጨውዩ ኤውሮጳውያን: ኣወንታዊን ወሳንን ተራ ከምዝተጻወተት ተረጋጊጹ ኢዩ::
ጭቡጥ ኣብነታት
ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ፈጺማቶም ተባሂላ ዝተኸሰተትሎም መጥቃዕትታት ይኹኑ ንጥሩፋት ኢስላማያን ኣል-ሸባብ ኣብ ሶማል ትድግፍ ዝብሉ ክስታት: ክሳብ ሕጂ ሓቂ ከምዘይኮኑ ተረጋጊጾም ኣለዉ::
ኣብነት ቁ. 1: ኣብ ዕለት 30.08.2011 ብመርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ ዝለሓዄ: ከም ምስጢር ዝተገልጸ: ናይ ዕለት 6.10.2006 ሓበሬታ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሎ:: እቲ ሓበሬታ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ: ማእከላይ እዚ ኣመሪካ: ኢጋድ: ሲኣይኤ (CIA): ማእከላይ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም (CJTF): DIA, NSA ተላኢኹ:: እቲ ብቁጽሪ መዝገብ ID 06ADDISABABA2708) ዝተሰነደ ሓበሬታ: ብዛዕባ ሰለስተ ኣብ ዕለት 16.09.2006 ዝተመደቡ መጥቃዕትታት: ብሰብ-መዚ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ብተቓወምቲ ኦሮሞን ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጉዳያት ኢዩ::
ትሕዝቶ ናይ’ቲ ምስጢራዊ ሓበሬታ
ማዕከናት ዜና ከምዝሓበርኦ: ትካል ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታትን ኢትዮጵያን (The national Intelligence and Security Services) ምስቲ ጸረ-ሽበራዊ ሓይሊ ዕማም ብምትሕብባር: እቲ ሓበራዊ መጥቃዕቲታት ናይ ግ.ሓ.ኦ.(OLF)ን ሻዕብያን (ኤርትራ) ዝካየድ: ነቲ ደሞክራስያዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምዕንቃፍ ኢዩ:: ግ.ሓ.ኦ.(OLF) እታ ዝገደመት ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ኢያ::
ኣብቶም ኣብ ካራኮረ ዝተባህለ ን.ዞባ: ተፈጺሞም ግን ዝፈሸሉ መጥቃዕትታት: ሰለስተ ነብሰ-ቅትለታውያን ኣጥቃዕቲ ሞይቶም:: እቶም ቦምባታት: ኣብ ሓደ ዘይሕጋዊ ገዛ: ክጻወዱ ከለዉ ኣቐዲሞም ብምፍንጃሮም: ክልተ ሰብኡት ሽዑ ክሞቱ ከለዉ: እቲ ሳልሳይ ጸኒሑ ኣብ ሆስፒታል ዓሪፉ: ዝብል ኣበሃህላ ሰብ-መዚ ጸጥታ ኣሎ::
ኣብቲ መእልኽቲ: ጸብጻብ ናይ ሓደ: ነቲ ኤምባሲ ብምስጢራዊ ዝሕብር ሰብ: ከምዝገልጾ ናይ’ቲ መጥቃዕቲ ፈጸምቲ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ይጠቅስ:: ዕለት 20.09.2006 ዶክ. መረራ ጉዲና (መራሒ-ነበር ሃገራዊ ባይቶ ኦሮሞ -ONC-) ምስ ኤምባሲ ርክብ ጌሩ:: እሱ ኣብ መግለጺኡ እቶም ሞይቶም ዝተባህሉ: ቦምባ ኣብ ምጽዋድ ከለዉ ዘይኮኑ: ዛጊት ኣብ ቀይዲ ካድራት መንግስቲ ዝነበሩን ዝተሳቐዩን ኢዮም:: እቶም ሰባት: ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብፖሊስ ተታሒዞም: ኣብቲ ቦምባ ዝተፈንጀረሉ ገዛ ዝተኣስሩን ኢዮም:: እቶም ሰባት: ኣባላት ONC ወይ ሃገራዊ ግንባር ኦሮሞ ምዃኖም ክፈልጥ ኣይከኣለን::
ኣብነት ቁ. 2 እቲ „ኤርትራ ነቲ ዞባ ክትዘርግ ትደሊ“ ዝብል ጠቐነ: ነቲ ኤርትራ ንጥሩፋት ኢስላማውያን ሚሊሻ ኣብ ሶማልያ ብገንዘብን ኣጽዋርን ትድግፍ’ያ ዝብል ክሲ ዘመልክት ኢዩ:: እቶም ቅድሚ ቀረባ ግዜ ዝተወሰኑ እገዳታት ሕ.ሃ.: ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓደሽቲ ክስታት ዝምርኮስ ኮይኑ: እቶም ክስታት ኣብ ቀጽሪ ጽውጽዋይ ዝድመሩ ኢዮም:: ኣብ ወርሒ 11 ናይ ዝሓለፈ ዓመት: ኤርትራ ሰለስተ ጽዕነት ነፈርቲ ኣጽዋር ንኣልሸባብ ሂባ: ኬንያ ከሲሳ:: እተን ነፈርቲ ኣብ ከተማ ባይደዋ ዓሊበን ተባሂሉ:: ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሶማልያ ናይ ሕ.ሃ.: ነዚ ጉዳይ’ዚ ከረጋግጾ ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኮነ: ኣብ ዝሓለፈ ግዜ: ከምዚ ዓይነት በረራታት ከምዘይተፈጸሙን: እቲ ጠቐነ ቅኑዕ ከምዘይኮነን…ሓቢሩ ኣሎ::
ኣብነት ቁ. 3 – ዶባዊ ግጭት- ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰንኪ ዶባቢ ምስሕሓባተን ከምዝተወጠረ ዝፍለጥ ኢዩ:: ናይ’ዚ ጠንቂ ከኣ ኢትዮጵያ ኢያ:: ምኽንያቱ ነዚ ዶባዊ ግጭት’ዚ: ካብ 2000 ዓ.ም. ጀሚሩ: ሓደ ፍታሕ ተገይርሉ ኢዩ:: እቲ ኣብ ዘ-ሀግ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ: ነቲ ዶባዊ ምስሕሓብ ብይን ሂብሉ ኢዩ:: ነዚ ብይን’ዚ ከም ቀያዲ ክቕበላ ከኣ: ክልቲአን ኣብ ውዕል ሰላም ኣልጄርስ: ኣቐዲመን ብወግዒ ከቲመን ኢየን:: በንጻር’ዚ ግን: ኢትዮጵያ ንውሽጣዊ ኩነታት ይጠቕመኒ’ዩ ኣብ ትብለሉ ግዜ: ነዚ ብይን ከይትግበር ትዕንቅጽን: ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ጎቢጣ ትርከብን: ኵናት ክጅምር’የ ኢላ ኸኣ ተፈራርሕን::
እቶም ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተሉ ጀርመናውያን ጋዜጠኛታት: ብውሑዱ ነዞም ጉዳያት’ዚኦም ክፈልጡ ይግባእ::













