April 17, 2011

“ሓንቲ እምኒ። ሓንሳእ እንተዓንቀፈትካ ንሳ እምኒ።

ክልተ ሳዕ እንተዓንቀፈትካ ንስኻ እምኒ”

“ህዝብታትን ሃገራትን። ጉዳያቶም ባዕሎም ክውስኑን ክፈትሑን ልኡላዊ መሰሎምን ሓላፍነቶምን እዩ፣ ግዳማዊ ምትእትታው። ተወሳኺ ምትሕልላኻት ፈጢሩ ናብ መዕለቢ ዘይብሉ ጎደና ከምርሕ እንተዘይኮይኑ። መተካእታ ዘቤታዊ ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ፣” መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባዊን ዓለማውን ጉዳያት ዝጸንሖ ዘይነቓነቕ መርገጺ። እዚ ዝተጠቕሰ ኮይኑ። ኣብ ሊብያ ውሽጣዊ ሽግር ተኸሲቱ። ገለ ወገናት። ጣልቃ ንምእታው ኣብ ዝሃጽሉ ዝነበሩ መዓልታት።

ካብዚ ዘይቅየር መርገጺኡ ነቒሉ። ዘይሕጋውነትን ዘይውጺኢታውነትን ናይቲ ስጉምቲ ኣቐዲሙ ሰጊሩ ነይሩ፣ እንሆ ድማ እቲ ብሃታ-ሃታ ዝተወስደ ዘይተጸንዐ ስጉምቲ ዝያዳ ምትሕልላኽ ፈጢሩ። ስቅያት ህዝቢ ዘናውሐ ሕንፉሽ ኩነት ፈጢሩ ኣሎ፣ ሕጂ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ።

ሕቡራት ሃገራት። ማሕበር ሃገራት ዓረብ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኮነ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)። እንተላይ እታ ንምውላዕ ኲናት ከም ፈንጠዝያ ከብካብ እትሃጸሉ ዝነበረት ፈረንሳ። ሽግር ሊብያ ብወተሃደራዊ መገዲ ክፍታሕ ከምዘይክእል ክእመኑ ተገዲዶም ኣለዉ፣ የግዳስ። እዚ ሓቂ’ዚ። ሎሚ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሊብያ ዝግሃድ ዘሎ  ኣይኮነን፣ ማሕበረሰብ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ጌጋታት ደጋጊሙ እዩ፣ ኩሉ ከምዝፈልጦ። ኣብ ዒራቕ። ኣፍጋኒስታን። ሶማል።

ሃገራት ባልካን ወዘተ ዝተገብረ ወተሃደራዊ ምትእትታው። ብዘይካ  መሰክሕ ህልቂትን መትሓዚ ዝተሳእኖ ሕንፍሽፍሽን ካልእ ፋይዳ ኣይተረኽቦን፣ “ሓንቲ እምኒ ሓንሳብ እንተዓንቂፋትካ ንሳ እምኒ። ክልተ ግዜ እንተዓንቂፋትካ ንስኻ እምኒ” ከምዝበሃል። ብዙሕ ግብራዊ ተመክሮን መነጻጸሪ ሓቅታት እናሃለወ። መመሊስካ ተደጋጋሚ ጌጋ  ምፍጻም ስለምንታይ? ዝተስገደደ መድሃኒት ከምዘይሰርሕ እናተፈለጠ።

ኣህዛብ ከም መፈተኒ እንስሳታት ንስቅያት ኣብ ቤተ-ፈተነ (ላባራቶሪ) ደጋጊምካ ምእታው ገበን’ዶ ኣይኮነን? ኣብ ክንዲ ሽግራት ብቕንዕና ምፍታሕ ሃናጺ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያውን ግደ ምጽዋት። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ህዝብታት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጣልቃ እናኣተኻ። ግጭታት ምትሕልላኽን ምንዋሕን ዘድለየሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ብድሕሪ’ዚ ምትእትታው’ዚ ዘሎ ሓቀኛ ዛዕባ እንታይ ድዩ? ኣብ ዕግርግር ዕዳጋ ብዘይካ መልዓል ቅሙጥ መን ክረብሕ ይኽእል? ማሕበረ-ሰብ ዓለም ህድእ ኢሉ ክሓስበሉን ከስተንትኖን ዝግባእ ሞጎታዊ ሕቶታት እዩ፣

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...