June 22, 2011

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ከተማ ናቕፋ ዑደት ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብ20 ሰነ ኣብ ከተማ ናቕፋ ዑደት ብምክያድ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብታ ከተማ ዝተሰላሰለ መደባት ልምዓትን ህንጸትን ተዓዚቡ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ትካላት መንግስቲን ዝተፈላለየ ከባቢታት’ታ ከተማ ዘጠቓለለ ዑደቱ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ከተማ ናቕፋ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ መደባት ልምዓት ተመያዪጡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፣ ዓበይቲ ዓዲ ከተማ ናቕፋ፣ ንጉዳይ ጽርግያ፣ ኣገልግሎት ኤለክትሪክን ማይን ኣመልኪቶም፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንመብርሂ ናይቶም ዓበይቲ ዓዲ ብልዑል ተገዳስነት ድሕሪ ምክትታል፣ ምስቲ ክዕመም ዝግብኦ ብምንጽጻር ዛጊት ተረጋጊጹ ዘሎ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ንገለ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝበሃሉ መደባት ንምትግባር ንዝምልከቶም ኣካላት መምርሒ ስራሕ ሂቡ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Government of Eritrea sends message of condolences

Southern region 18th regular Assembly meeting

Omhajer-Humera border point re-opened

Senior Eritrean delegation on working visit to...

Eritreans welcome New Year 2019 with enthusiasm

Ambassador Semere Russom presents credentials