November 18, 2012

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ቱርኪ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሚኒስተር
ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ቱርኪ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ሎሚ 16 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ቱርኪ ሚስተር ኣህመት ዳቩ ቶግሉ ኣብ ህንጻ ሃገር ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር ኣህመትን፣ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሰፊሑ ዘትዮም።

ኣብቲ ኣብ ምምዕባል ሽርክነታዊ ዝምድና ዝምልከት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር ኣህመት ዳቩ ቶግሉን፣ ኩባንያታት ቱርኪ ኣብ ኤርትራ ዝሰርሓሉ ባይታ ብዛዕባ ዝጣጥሓሉ፤ ኣብ ሞንጐ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ቱርኪን ዘሎ ናይ ባህሊ ምትእስሳር ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፣ ንሓባራዊ ታሪኽ ዝምልከት መጽናዕቲ ዝካየድ ብዛዕባ ዝከኣለሉ ክነታት ተመያዪጦም።

ንምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጸጥታዊ ኩነታቱን ብዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ቱርኪ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእ ንምርግጋጽ ንእትጻወቶ ሃናጺ ተራ ኤርትራ ከምእትድግፎ ኣብሪሁ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ቱርኪ ሚስተር ኣህመት ዳቩ ቶግሉ ድሕሪ’ቲ ርክብ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረጋግኣሉን ኣባል ሃገራት ቊጠባአን ዘዕብያሉን ነጥብታት ብዝምልከት ሓሳብ ንሓሳብ ከምእተለዋወጡ ጠቒሱ፣ ቱርኪ ምስ ኤርትራ ዝጸንሓ ክልተኣዊ ዝምድናኣ ንምምዕባል፣ ከምኡ’ውን ሰላምን ብልጽግናን ናይ’ቲ ዞባ ንምርግጋጽ ምስ ሃገራት’ቲ ዞባ እናተመኻኸረት ብሽርክነት ክትሰርሕ ምዃና ኣረጋጊጹ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሚስተር ኣህመት ዳቩ ቶግሉ ዝተመርሐ ልኡኽ ሪፓብሊክ ቱርኪ፣ ሎሚ ረፋድ’ዩ ኣስመራ ኣትዩ። ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ድማ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ተፋንዩ።

**** ኣ.ዜ.ኤ. ****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...