May 6, 2011

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ምሸት ብሚኒስተር ጉዳያት ካቢነ ዶክተር ሎካ ቦይንግ ደንግ ንዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዳራሽ ደንደን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብቲ ርክብ፣ ክልቲኦም ወገናት፣ ብዛዕባ ምዕባለታት ሱዳን ብሓፈሻ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ድማ ብፍላይ ኣመልኪቶም ብሰፊሑ ተመያዪጦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ህላወ ድልዱል ዝምድና ኣብ መንጎ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን መንግስቲ ሪፓብሊክ ሱዳንን ንምርግጋእ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን – ብሓፈሻ ድማ ንጸጥታ ዞባ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፣ ክልቲኦም ወገናት ኣበርቲዖም ክጽዕሩሉ ብምዝኽኻር፣ ኤርትራ ብዘለዋ ዓቕምን ተመኵሮን ኣብ ህንጸት ደቡብ ሱዳን እጃማ ከተበርክት ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ’ቲ ርክብ፣ ዶክተር ሎካ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽንብል ምእዋጅ ሓዳስ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ንኽሳተፍ ዝዕድም ወግዓዊ መልእኽቲ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ከምዘብጽሐ፤ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ ነቲ ዕድመ ብሓጐስ ከምእተቐበሎ ኣረዲኡ።

“ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ምርግጋጽ መሰል ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ኣድማዒ ኣበርክቶ’ዮም ገይሮም” ዝበለ ዶክተር ሎካ፣ ምስታፍ ኤርትራ ኣብ ወግዓዊ ጽንብል ናጽነት ደቡብ ሱዳን፣ ውጽኢት ናይ’ቲ ዘበርከተቶ ሃናጺ ተራ ከምዝኾነ ብምምልካት፣ እቲ ጽንብል ናይ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ምዃኑ ኣነጺሩ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንመስርሕ ህንጸት ሓዳስ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ኣመልኪቱ ካብ ሃብታም ተመኵሮ ኤርትራ ዝነቐለ ሃናጺ ሓሳባት ከምዝለገሰሎም ጠቒሱ፣ ኣብ ምህናጽ ሓያል ሃገርን ምስ ኤርትራ ድልዱል ዝምድና ኣብ ምምስራትን ከምዝሕግዞም ኣረጋጊጹ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...