August 17, 2011

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኡጋንዳ ገይሹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኡጋንዳ ገይሹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኡጋንዳ ዩወሪ ካጉታ ሙሰቪኒ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፣ ሎሚ 16 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ናብ ኡጋንዳ ገይሹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ ዝመርሖም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሪፓብሊክ ኡጋንዳ፣ ኣምባሳደራትን ኤርትራውያን ተቐማጦ ኡጋንዳን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ኣብ’ቲ ብሃገራዊ መዛሙር ኤርትራን ኡጋንዳን ዝተሰነየ ብልዑል ማዕርግ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፣ ንክብሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ 21 ግዜ መድፍዕ ክትኰስ እንከሎ፣ ተቐማጦ ኢንተበ ደርፍታትን ሳዕስዒትን ከምዘቕረቡ፣ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ድሕሪ’ቲ ድሙቕ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒን፣ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያትን ዘተኰረ ሰፊሕ ዘተ ኣካዪዶም።

ኣብ ሪፓብሊክ ኡጋንዳ ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ጐኒ-ጐኒ’ቲ ዘካይዶ ርክባት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቍጠባውን ንግዳውን ትካላት ዑደት ክገብር ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣፈወርቂ ኣብ ሪፓብሊክ ኡጋንዳ ዝገብሮ ዘሎ ወግዓዊ ምብጻሕ፣ ኣብ’ቲ ዞባ ኮነ ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ሰላምን ጸጥታን ንምስፋን ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ዓቢ ተራ ከምዝህልዎ፣ መንግስቲ ኡጋንዳ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Activities of Eritrean Nationals in the Diaspora

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ 2 ቀዳማይ ምዕራፍ፣ ጥልያን...

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ ቀዳማይ ክፋል ህርፋን 1

President Isaias’ speech in connection with the...

Eritrean nationals celebrate Independence Day...

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ