May 9, 2011

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ኣልመሃንድስ ኢብራሂም ማሕሙድ ሓምድ ንዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ  ኣልመሃንድስ ኢብራሂም ማሕሙድ ሓምድ ንዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምምዕባል ክልተዊ ዝምድናን ንትግባረ ኣብዚ ዓመት’ዚ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን ዝተሰማምዕሉ ናጻ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ዝምልከትን ዘትዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ርክብ፣ ታሪኻዊ ዝምድናታት ኤርትራን ሱዳንን ንረብሓ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ብዘገልግል መገዲ ኣብ ኩሉ መዳያት ክሕያል ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፣ ንምሕያል’ቲ ዝሕግዙ ሃነጽቲ ሓሳባት ኣቕሪቡ።

ሚኒስተር ኢብራሂም ማሕሙድ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ዕላማ ዑደቱ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና ዝያዳ ንምሕያልን ሰላምታ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምብጻሕን ምዃኑ ጠቒሱ፣ ናጻ ምንቅስቓስ ዜጋታትን ንብረትን ብዝምልከት ንምፍርራም ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ሓቢሩ።

******ኣ.ዜ.ኤ******

العمل المتواصل – تعزيز للروح المعنوية نحو...

Commemoration of Operation Fenkil concludes

Commemoration of Operation Fenkil Opens

Dutch action is unwarranted and unacceptable

Interview: President Isaias on domestic issues

وزير الإعلام الإرترى يمانى جبرميسكل لـ...