July 10, 2011

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቡ ዘትዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቡ ዘትዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ 8 ሓምለ ምሸት ኣብ ከተማ ጁባ ምስ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪ ሙን ብምርኻብ፣ ኣብ ክልቲኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያትን ዘትዮም።

ኣብቲ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ዝዓሰሎ ርክብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዕባለን ምትሕግጋዝን ንኽረጋገጽ ምስፋን ሰላምን ምርግጋእን መሰረታዊ ስለዝኾነ፣ ኤርትራ ከተካይዶ ዝጸንሐት ጻዕርን ትጻወቶ ዝጸንሐት ምቑሉል ተራን ክትቅጽሎ ምዃና ብምሕባር፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ኣብዚ መዳይ’ዚ እወታዊ ተራኡ ክጻወት ጸዊዑ።

ፕረዚደንት ኢስይያስ ኣስዒቡ፣ ኤርትራ ንሰላምን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንሰላምን ምርግጋእን ሱዳን ድማ ብፍላይ ክትገብሮ ዝጸንሐት ኣበርክቶን ሃናጺ ጽምዶን ንረብሓኣ’ውን ስለዝኾነ ከምእትቕጽሎ ንዋና ጻሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹሉ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝሓለፈ ውሳነ እገዳ፣ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ስለዝኾነ ክለዓል ዝጸውዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምኻድ ርእይቶኡ ከስምዕን፣ ነቲ ዓማጺ ብይንን ከሸንቱን ክብድህን ዕድል ክወሃቦ ብምዝኽኻር፣ “ንሕናን ከሰስትናን ገጽ ንገጽ እንራኸበሉ መድረኽን ባይታን ክፍጠር ይግባእ” ክብል ኣስሚሩሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መወዳእታ፣ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚስተር ባን ኪ ሙን ነቲ ክውንነት ብቐረባ ንምፍላጥ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ዕድመ ኣቕሪቡ። ብወገኑ ድማ ብዛዕባቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ንምዝርራብ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክጉዓዝ ዘለዎ ድሉውነት ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፣ ንተራ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ድማ ብፍላይ ከምኡ’ውን ንፍሉያት ልኡኻቱ ኣብዚ ዝተጠቐሰ ጉዳያት ንዝገበርቶ ምትሕግጋዝ ብምምስጋን ፣ ኤርትራ ንሰላምን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትጽወቶ ንዝጸንሐት ተራ ከተዕዝዝን ሽርክንኣ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከተሐይልን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚስተር ባን ኪ ሙን ኣብ መወዳእታ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበሮ ርክብ፣ ንምድንፋዕ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ኤርትራን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ፣ ኣብ ኤርትራ ዑደት ንኽገብር ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዝቐረበሉ ዕድመ ከምእተቐበሎ ኣረጋጊጹ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...