December 26, 2011

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንሃገራዊ ዋዕላ መንእሰያት ከፊቱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንሃገራዊ ዋዕላ መንእሰያት ከፊቱ።

ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝተወከሉ ልዕሊ 650 ኤርትራውያን መንእሰያት ዝሳተፍዎ ዘለዉ ሃገራዊ ዋዕላ መንእሰያት፣ “ኣብ እትቕየር ዘላ ዓለም መጻኢኣ ዘውሓሰት ሓያል ኤርትራ ንምህናጽ፣ መንእሰይ ይንቃሕ፣ ይወደብ ይዕጠቕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ25 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ናቕፋ ተኸፊቱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስምዖ መኽፈቲ ቃል፣ እዚ ዋዕላ ህልው ዘቤታዊ ኩነታት ኣብ ርኡይ ዕብየት ኣብ ዝግስግሰሉን ዞባውን ዓለማውን ሃዋሁ ኣብ ኣገዳሲ መስርሕ ንቕሓት ኣትዩ ኣብ ዘለወሉን እዋን ይጋባእ ምህላዉ ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ጠቒሱ፣ ንኹሎም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ መንእሰያት ስለ’ቲ ዘርኣይዎን ዘርእይዎ ዘለዉን መዘና ዘይብሉ ሃገራዊ መኸተ መጒሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፣ ዕላማ’ቲ ዋዕላ፣ ሃገርና ኣብ ሓድሽ መድረኽ ንሁር ልምዓትን ትስፉው ዕድላትን ኣብ እትኣትወሉ ዘላ ታሪኻዊ እዋን፤ ዝተደልዩ ሸቶታት ብልዑል ምውህሃድን ምምልላእን ምእንቲ ክጭበጡ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሰፊሑን ሃገራውያን ማሕበራትን ህግደፍን ድማ ብፍላይ በብመደባቶምን ዓውድታቶምን ንመኸተ ልምዓትን ሃገራዊ ህንጸትን ብዝበረኸ ንቕሓትን ልዑል ውዳበን ሰፊሕ ናይ ምይይጥ መኣዲ ዝኸውን ናይ ምስግጋር ምዕራፍ ንምውዳድ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

“መኸተ ኣገባብ’ዩ፤ እቲ ዕላማ ግን ልኡላውነትን ዘየቋርጽ ምዕሩይ ዕብየትን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፣ “ኣብ ውሽጢ ናይ መላእ ህዝብናን ኣብ ውሽጢ’ታ ቤትና እንብላ ሃገርናን ጥራይ ዝማላእ ወትሩ ሙቐትና፣ ቅሳነትናን ራህዋናን፣ ኣብ ውሽጢ ሙቐትን ቅሳነትን ራህዋን ህዝቢ’ዩ ትርጉምን ተጨባጥነትን ዝህልዎ።” ድሕሪ ምባል፣ ንቕሓትናን ቅኒት ኣእምሮናን ከይተዛነየ፣ ትኵር ክኸውን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መወዳእታ፣ ናይዚ ዝጋባእ ዘሎ ዋዕላ ይኹን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዝስዕቡ ዋዕላታት ቀዳምነት፣ ንሃገራዊ ክብርታትናን ሓባራዊ ህዝባዊ ረብሓታትን መሰረት ዝገበረ ናይ ህልውን ተማዕዳውን ዕድላትን ብድሆታትን ኩነት ብዕምቈት ብምግምጋም፣ ስትራተጂ ንዝበረኸ መኸተ ምቕማጥ ምዃኑ ገሊጹ።

ሃገራዊ ዋዕላ መንእሰያት፣ ንሽድሽተ መዓልታት ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...