May 27, 2013

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንኣማሓዳሪ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ – ሱዳን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንኣማሓዳሪ
ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ – ሱዳን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንኣማሓዳሪ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ - ሱዳን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ26 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ- ቐትሪ፡ ንኣማሓዳሪ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ሱዳን ዶክተር መሓመድ-ጣህር ኤላ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።
ኣብ’ቲ ርክብ፡ ክልተኦም ወገናት፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ታሪኻዊ ዝምድናታትን ትግባረ ኣቐዲሞም ዝተበጽሑ ስምምዓትን ብዝምልከት

ሰፊሕ ዘተ ኣካዪዶም።
ኣመሓዳሪ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ሱዳን ዶክተር መሓመድ-ጣህር ኤላ ድሕሪ’ቲ ርክብ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበሮ ርክብ፡ ንትግባረ ናይ’ቲ ንሽርክነታዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራትን ህዝብታተንን ንምዕዛዝ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዓት፡ ንኽልቲኤን ሃገራት ብመስመራት
መጓዓዝያ ንምርኻብ ከምኡ’ውን ምድንፋዕ ንግዳዊ፡ ባህላውን ቱሪዝማውን ንጥፈታት ብሰፊሑ ከም ዝዘተዩ
ገሊጹ።ኣመሓዳሪ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ሱዳን ዶክተር መሓመድ-ጣህር ኤላ፡ ኣብ
ኣመሓዳሪ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ሱዳን ዶክተር መሓመድ-ጣህር ኤላ፡ ኣብ
ወግዓዊ ጽንብል መበል 22 ዓመት ናጽነት ከምእተሳተፈ ይፍለጥ።

Statement by H.E. Ambassador Beyene Russom, Head...

Seminars on implementation of development programs

Sudanese senior delegation on official visit to...

Press Release

Official visit by Prime Minister of Sudan to...

Seminar to Eritrean nationals in Riyadh