June 8, 2012

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንፍሉይ ልኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንፍሉይ ልኡኽ ኤውሮጳዊ
ሕብረት ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚስተር ኣሌክሳንድሮስ ሮንዶስ ኣዘራሪቡ።

ኣብቲ ብ7 ሰነ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝተኻየደ ርክብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ኣሌክሳንድሮስ ሮንዶስን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፍነሉ ሃዋሁ ንምፍጣር ኣብ ዘኽእል ኩነታት ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኤርትራ ነዚ ልዑልን እዋናውን ተገዳስነት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምእትድግፎ፤ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ድማ ኣጠቓላሊ ኣተሓሕዛ ከምዘድልዮ ንፍሉይ ልኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብሰፊሑ ገሊጹሉ።

ሚስተር ኣሌክሳንድሮስ ሮንዶስ ብወገኑ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዓቢ ኣቓልቦ ይሰርሓሉ ከምዘሎ፤ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋጽ ድማ ቅሩብነትን መደብን ከምዘለዎ ጠቒሱ፣ ብውልቁ ድማ ንዝተመዘዘሉ ስራሕ ንምዕዋት ክጽዕር ምዃኑ ኣነጺሩ።

*** ኣ.ዜ.ኤ. ***

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...