November 12, 2011

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ቅድድም ብሽግለታ ዓለምን ኣፍሪቃን ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ቅድድም ብሽግለታ ዓለምን ኣፍሪቃን ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ትማሊ 11 ሕዳር ንፕረዚደንት ማሕበር ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ሚስተር ፓት ማክዌድን ፕረዚደንት ኮንፈደሬሽን ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ ሚስተር ወጊሕ ዓዛምን ኣብ ኣዳራሽ ደንደን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ማሕበር ቅድድም ብሽግለታ ዓለም (ዩሲኣይ)ን ኮንፈደሬሽን ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ (ካክ)ን፣ ነቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ኣብ ምምዕባል ንዝገብርዎ ዘለዉ ምድግጋፍ ድሕሪ ምምስጋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ኩሉ ዓይነት ስፖርታዊ ንጥፈታት ንምምዕባል ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ፕረዚደንት ማሕበር ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ሚስተር ፓት ማክዌድ ብወገኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ስፖርት ብሓፈሻ ቅድድም ብሽግለታ ድማ ብፍላይ ንምምዕባል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት፣ በቲ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዘመዝግብዎ ዘለዉ ድሙቕ ዓወታት ክረጋገጽ ከምዝኽእል ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ማሕበር ኣብ መጻኢ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ስፖርታዊ ዝምድና ብዝሓየል መልክዑ ከደልድሎ ከምዝደሊ ኣነጺሩ።

ድሕሪ’ቲ ርክብ ሚስተር ማክዌድ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ከምእተመያየጡን ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡን ብምሕባር፣ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጀሚርካ ኩሎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ስፖርት ብሓፈሻ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ድማ ብፍላይ ልዑል ተገዳስነት ከምዘለዎም ክርዳእ ከምዝኸኣለ ገሊጹ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...

Meeting of Cabinet Ministers

International Youth Day observed