September 27, 2011

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ተራኺቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ተራኺቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብ24 መስከረም ምስ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ተራኺቡ፣ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ዘተኰረ ምይይጥ ኣካዪዱ።

ኣብቲ ርክብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብምኽንያት ናጽነት ደቡብ ሱዳን፣ ንህዝብን መንግስትን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዳግማይ ዮሃናኡ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ምዕባለታት፣ ከምኡ’ውን ዝምድና ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ድማ ምስ ሱዳን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኤርትራ ንናጽነት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ንምድልዳል ካብኣ ትጽቢት ዝግበር ምትሕግጋዝ ክትገብር ቅርብቲ ምዃና፣ ንፕረዚደንት ሳልቫኪር ኣረጋጊጹሉ።

ኣብ መወዳእታ፣ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ዝምድና ኤርትራን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ንምምዕባል፣ ናይ ስራሕ መደባት ብምሕንጻጽ ቀጻሊ ስጉምትታት ክውሰዱ ተረዳዲኦም።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

President Isaias met and held talks with Russian...

Joint Press Statement following the visit by the...

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...