August 19, 2012

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብ17 ነሓሰ ንፍሉይ ልኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚስተር ኣሌክሳንድሮስ ሮንዶስ ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝተኻየደ ርክብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ሮንዶስን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ካብ ምዕባለታት ናይ’ቲ ዝሰፍሐ ዞባ ተፈልዩ ከምዘይርአ ብምግንዛብ፣ በዚ መንጽር’ዚ – ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ርግኣትን ናይ’ቲ ዞባ ተራኡ ብዛዕባ ዘዕዝዘሉ ኩነታት ብሰፊሑ ተመያዪጦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፣ ኤርትራ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ከምኡ’ውን ኣብ ምምሕያሽ መንብሮ ህዝብታት’ዚ ዞባ ብቐረባ ክትተሓጋገዝን ክትተሓባበርን ቅርብቲ ምዃና ጠቒሱ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክጻወቶ ዝጸንሐ ተራ ክሕይል ከምዝግባእ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ብሰፊሑ ገሊጹሉ።

ሚስተር ኣሌክሳንድሮስ ሮንዶስ ድሕሪ’ቲ ርክብ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምዕባለን ሰላምን ቀርኒ ይሰርሕ’ኳ እንተሎ፣ ሰላምን ምርግጋእን ህዝብታት ቀርኒ-ኣፍሪቃ ንምርግጋጽ፣ መንግስታት’ቲ ዞባ ከም ናይ ኤርትራ ቅሩብነት ሃልይዎም ሱታፌኦም ከዕዝዙ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

*** ኣ.ዜ.ኤ. ***

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...