November 18, 2011

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንጐባልል ሻምፕዮን ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2011 ሸሊሙ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንጐባልል ሻምፕዮን ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2011 ሸሊሙ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ክብ 9 ክሳብ 13 ሕዳር ኤርትራ ኣብ ዘአንገደቶ ሻብዓይ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2011 ዓቢ ዓወት ንዘመዝገቡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽግለታን ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜናን ኣተባቢዑ።

ብረቡዕ 16 ሕዳር ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ እቶም ስፖርተኛታት ብዘመዝገብዎ ዓወት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ “ዮሃና” ድሕሪ ምባል፣ “እዚ ዝተመዝገበ ውጽኢት፣ ኣብ’ዚ ሃገር ዘሎ ዕቑር ናይ ስፖርታውያን ዓቕሚ በሎዅ ኢሉ ክወጽእ ከምዝጀመረ ዘረድእ’ዩ” ክብል ገሊጹ።

ዓሚን ሎሚ ዓመትን ኣብ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ ዝተመዝገበ ውጽኢት ከዛኒ ከምዘይግባእ ዘዘኻኸረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ “ሎሚ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኴንኩም ኣለኹም። ኣብ ቀረባ መጻኢ ድማ ብሞያውነት፣ ጻዕሪን እወታዊ ምትህልላኽን ተደጊፍኩም ሻምፕዮን ዓለም ከምእትኾኑ ኣይጠራጠርን” ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ውድድራት ተመዝጊቡ ዘሎ ዓብላልነት ኤርትራን ኤርትራውያን ተቐዳደምትን ከይጐደለ ንኽቕጽል ብምልባው፣ እቲ ስፖርት ኣብ ኩለን ዞባታት ንኽሕይልን ብዙሓት መንእሰያት ንኽፈርዩን ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣዘኻኺሩ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ደቂ-ተባዕትዮ ኤርትራ ኣቶ ሳምሶም ሰለሙን ብወገኑ፣ ብደረጃ መንግስቲ ዝግበር ምትብባዕ ኣብ ናይ ቅድድም ብሽግለታ ንጥፈታቶም ደራኺ ሓይሊ ከምዝኾነ ጠቒሱ፣ ኣብ መጻኢ’ውን ንዝዓበየ ዓወታት ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም ቃል ኣትዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፣ 10 ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ደቂ-ተባዕትዮ ነፍሲ-ወከፎም 110 ሽሕ ናቕፋ፣ ኣሰልጣኒኣ ሳምሶም ሰለሙን ድማ 80 ሽሕ ናቕፋ፤ 9 ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ-ኣንስትዮ ነፍሲ-ወከፈን 50 ሽሕ ናቕፋ፣ ኣሰልጣኒኣ ኣቶ ሙሴ ኣስሄል ከኣ 70 ሽሕ ናቕፋ፤ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ሓደ ሚልዮንን 100 ሽሕን ናቕፋ፤ ነቲ ውድድራት ብልዑል ብቕዓትን ጽፈትን ዘቃልሑ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ድማ ተሸሊሞም።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...