February 17, 2012

ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ወረቐት ስራሕ 11 ኣምባሳደራት ተቐቢሉ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ወረቐት ስራሕ 11 ኣምባሳደራት ተቐቢሉ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። ብ16 ለካቲት ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት። ወረቐት ስራሕ 11 ኣምባሳደራት ተቐቢሉ፣ ንሳቶም ድማ፥

ኣምባሳደር ጃፓን ሚስተር ቶሺሂሳ ታካታ፤

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ናይጀርያ ሚስተር ባባ ጋና ዋኪል፤

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ህንዲ ሚስተር ሲባብራታ ትሪፓቲ፤

ኣምባሳደር በልጅዩም ሚስተር ባርት ኦቭሪ፤

ኣምባሳደር ቸክ ሪፓብሊክ ሚስተር ፓቨል ካፍካ፤

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ማሊ ሚስተር ሙሳ ዲያኪተ፤

ኣምባሳደር ብራዚል ሚስተር ማርኮ ኣንቶንዮ ዲኒዝ ብራንዳው፤

ኣምባሳደር ጋና ሚስተር ኪንግስለይ ሳካ ዓብዱልካሪሙ፤

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ደቡብ ኮርያ ሚስተር ኪም ቻን-ው፤

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ቱርኪ ሚስተር ፋዚል ኮርማን፤

ከምኡ’ውን ኣምባሳደር ኔዘርላንድስ ኖርበርቱስ ዊልሀልሙስ ማርያ ብራክሂስ እዮም፣

እቶም ኣምባሳደራት ኣብቲ ናይ ምርካብ ወረቐት ስራሕ ስነ-ስርዓት። ዝምድናታት ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ብምድንፋዕ ንሽርክነታዊ ረብሓ ከምዝሰርሑ ገሊጾም፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። ብ15 ለካቲት’ውን ወረቐት ስራሕ ኣምባሳደራት እስራኤል። ምስሪ። ሱዳን። ኖርወይ። ቐጠር። ኤውሮጳዊ ሕብረት። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ። መክሲኮ። ኢራንን ኢንዶነዥያን ምቕባሉ ይፍለጥ፣

******

Government of Eritrea sends message of condolences

Southern region 18th regular Assembly meeting

Omhajer-Humera border point re-opened

Senior Eritrean delegation on working visit to...

Eritreans welcome New Year 2019 with enthusiasm

Ambassador Semere Russom presents credentials