March 2, 2014

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሃገረ ቐጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ከተማ ኣድወሓ ኣትዩ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሃገረ ቐጠር ወግዓዊ
ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም  ከተማ ኣድወሓ ኣትዩ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሃገረ ቐጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም  ከተማ ኣድወሓ ኣትዩ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሃገረ ቐጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ ክልተ መጋቢት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ከተማ ኣደውሓ ኣትዩ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣደውሓ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ኣቀባብላ ተገሬሉ፣

ብድሕሪ’ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብቐጥታ ናብ ቤተ-መንግስቲ ብምቕናዕ ምስ ኣሚር ሸኽ ተሚም ቢን ሐመድ ቢን ኸሊፋ ኣልሳኒ ብምርኻብ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ንኽልቲአን ሃገራት ዘገድሱ ጉዳያትን ዘተኮረ ዘተ ኣካዪዱ፣

ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ኣቦ-መንበር ባይቶ ሚኒስተራትን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ሸኽ ዓብደላ ቢን ናስር ቢን ኸሊፋ ኣልሳኒ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድና ብዝምልከት ተመያዪጡ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሃገረ ቐጠር ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ተመሳሳሊ ርክባት ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ ንግሆ’ዩ ናብ ሃገረ ቐጠር ገይሹ፣

Enigmatic Eritrea: Engagement, Investment &...

High Level Achievements in the Annual Health...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of...