October 21, 2011

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልበሽርን ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዶም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልበሽርን ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዶም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወቂን ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣሕመድ ኣልበሺርን፣ ትማሊ 19 ጥቅምቲ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያትን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ርክብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልበሺርን፣ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና ኣብ ኩሉ ጽላታት ንምሕያሉ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝርራብ፣ ንክልቲአን ሃገራት ዘራኽብ ሓድሽ መስመር ጽርግያ ኣብ ምንቅስቓስ ዜጋታትን ንግዳዊ ንጥፈታትን ንዘለዎ ደራኺ ኣስተዋጽኦ ተመያዪጦምሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዕላማ ዑደቱ ንታሪኻውን ስትራተጂያውን ዝምድናታት ክልቲኡ ህዝብታት ንምዕዛዝ ምዃኑ ጠቒሱ፣ ናጻ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ምምስራታ ሓድሽ ክውንነት ኣብ ዝተኸስተሉ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ብምምልካት፣ “ብዙሕ ጉዳያት ኣልዒልና ክንመያየጥን ሓሳባት ክንለዋወጥን ክንትሓጋገዝን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ’ዩ” ክብል ኣረዲኡ።

ብዘይካ’ዚ ዑደቱ ናብ ሱዳን ሓድሽ ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ኣብ ዝቕልቀለሉ ዘሎ ህሞት ዝመጸ ስለዝኾነ፣ ክልተኣዊ ዝምድናታት ኤርትራን ሱዳንን ምስዚ ዘሎ ዓለማዊ ለውጢታት ብዝሳነ መገዲ ዝያዳ ምሕያሉ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብወገኑ፣ ዝምድናታት ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ታሪኻውን ነባርን ምዃኑ ጠቒሱ፣ “ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ድልዱል ህዝባዊ ዝምድና’ዩ” ክብል ገሊጹ።

ብተወሳኺ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዔለፎን ብዘመናዊ ተክኖሎጂ ተሰንዩ ዝካየድ ዘሎ ሕርሻዊ ንጥፈታትን ምርባሕ እንስሳን ብምዕዛብ፣ ብዛዕባ ፍርያቱን ዝጥቀመሉ ተክኖሎጂያዊ መሰርሒታትን ብዝምልከት ካብ ሓለፍቲ ናይ’ቲ ትካል ንዝተዋህቦ መብርሂ ሰሚዑ።
ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ሱዳን ዝዓበየ ቊጠባውን ልምዓታውን ኣገዳስነት ዘለዎ ዲጋ መረዊን ኣብ ማእከል ከተማ መረዊ እትርከብ ቍሸት ቱሪዝምን ሆስፒታላትን ተዓዚቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዲጋ መረዊ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ብመሃንድሳትን ኣካየድቲ ናይ’ቲ ስራሕን ንንጥፈታቱን ዝህቦ ቊጠባዊ ረብሓን መብርሂ ድሕሪ ምስማዕ፣ ኣብ’ቲ ስራሕ ንዘሎ ተክኖሎጂ ዘለዎ ኣድናቖት ብምግላጽ፣ ዲጋ መረዊ ኣብ ምድልዳል ቊጠባዊ ዝምድናታት ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ኣብሪሁ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...