May 7, 2011

ፋብሪካታት ንኡስ ዞባ ድባርዋ፣ ሽቕለት ብምፍጣር ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ዜጋታት ኣበርክቶ ይገብራ ኣለዋ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፣ ኣብቲ ብ’ኢንዳስትሪያዊ ዞና’ ዝፍለጥ ከባቢ ተደኲነን ዝርከባ ፋብሪካታት፣ ሽቕለት ብምፍጣር ኣብ ምምሕያሽን ምምዕባልን መነባብሮ ዜጋታት ኣበርክቶ ይገብራ ከምዘለዋ፣ ሰራሕተኛታት’ተን ትካላት ንኤሪና ሓቢሮም።

ወይዘሮ ሰላማዊት ርእሶምን ተመሃሪት መርሃዊት ኣፈወርቂን ኣብ ዝሃብኦ ርእይቶ፣ ስራሕ ካብ ነገራዊ ረብሓ ዝዓቢ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዕግበት ከምዘለዎ ጠቒሰን፣ ብዝረኽብኦ እቶት ነብሰን ክኢለን ሂወት ስድራ-ቤተን ንምምሕያሽ ከምዝበቕዓ ኣብሪሀን።

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ሰፍነግ ወይዘሮ ለተንስኤ ሃይለማርያምን ወይዘሮ ምሕረት ብርሃነን ድማ፣ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ’ቲ ፋብሪካ ከምዝሰርሓ ብምሕባር፣ ሰሪሕካ ምእታው ግዜኻ ብዝግባእ ክትውድብን ዘቤታዊ ምሕደራኻ ከተሐይልን ሓጋዚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ርእሰ ምትእምማን’ውን ከምዘዕቢ ኣረዲአን።

ኣካያዲ ስራሕ ፋብሪካ ብሽኮቲ ‘ዲብኮ’ ኣቶ ያሕያ ሳልሕ ብወገኑ፣ እተን ፋብሪካታት ውጽኢት ናይ’ቲ መንግስቲ ኣብ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት ብሕታዊ ወፍሪ ንምትብባዕን ንምድንፋዕን ዝተኸተሎ ፖሊሲ ምዃነን ብምምልካት፣ ንጻዕርን ሓርኰትኰትን ሰራሕተኛታት ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፥ ፋብሪካታት ሰፍነግ፣ ፓስታ፣ ፕላስቲክ፣ ኣረቂ፣ ብሽኮትን ካልእን ተደኲነን፣ ፍርያተን ናብ ዕድጋታት የቕርባ ከምዘለዋ ሰነዳተን የመልክቱ።

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...