October 1, 2013

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ገምጋም ሃገራዊ ሊግ ኤርትራ ኣካይዱ

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ገምጋም
ሃገራዊ ሊግ ኤርትራ ኣካይዱ

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ  ገምጋም ሃገራዊ ሊግ ኤርትራ ኣካይዱብድራር ፍሰሃየ
ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ካብ 2010 ጀሚሩ ከካይዶ ንዝጸንሐ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሊግ ኤርትራ መጻኢ ኣመታቱን ዝገምገመ ዋዕላ ብ 25 መስከረም 2013 ኣብ ኣዳራሽ ኮሚስን ስፖርት ኣኤርትራ ኣካይዱ።

ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ግንባርን፣ ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ ኣባላት ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ወከልቲ ክለባት፣ ኣሰልጠንቲ ገዳይም ስፖርታውያንን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽብሉ ዋዕላ ኮሚሽነር ስፖርት ኤርትራ ሜ/ጀ. ሮመዳን ዑስማን ኣወልያይ ኣብ ዘስምዖ ቃል ተሳተፍቲ’ቲ ዋዕላ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክካየዱ ንዝጸንሑ ውድድራት ሊግ ኤርትራ ከጋጥሞም ዝጸንሐ ኩሉመዳያዊ ሕጽረታትን ብደቂቅ ፈቲሹ ንምዕባለ’ቲ ሃገራዊ ውድድር ዝሕግዙ ሓሳባትን ለበዋታትን ሒዞም ክወጹ ተላብዩ።

ብድሕር’ዚ እቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ናይ ውድድር ዓመታት ዘካየዶም ዝርዝር ንጥፈታትን ከጋጥሙ ዝጸንሑ ሕጽረታትን ብዳይረክተር ቴክኒክ እቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣቶ ዳንኤል ዮውሃንስ ንተጋባእቲ ብዝርዝር ቀሪቡ ሰፊሕ ክትዕን ዘተን ተኻይዱሉ ። ተሳተፍቲ’ቲ ዋዕላ ድማ ኣብ ሓሙሽተ ጉጅለታት ብምምቕቓል በቲ ፈደረሽን ኣብ ዝቐረቡ መዛተዪ ነጥብታት ዓሙቕ ዘተ ድሕሪ ምክያድ ተወዳደርቲ ክለባት ኮማዊ ሰረት ዝሓዘ ኣካይዳ ተኸቲለን ብደገፍተን ዝእለያሉ መድረኽ ክሳብ ዝበጽሕ ምምሕዳራት ዞባታትን ንክለባት ዝኣልያ ትካላትን ኣብ ምእላየን ልዑል ምድግጋፎም ክቕጽሉ፣ ካብ ዞባ ናብ ዞባ እናተዛወርካ ኣብ ዝካየድ ውድድራት ዘጋጥም ዘሎ ናይ መጓዓዝያ ጸገማት ፍታሕ ክናደየሉ፣ ኣብ ኣሰራርዓ ውድድር ዓይነታዊ ለውጢ ክተኣታቶን ትሕተ ቅርጺ ስታድዮማት ቆላሕታ ክግበረሉ ዝብሉን ካልኦትን ለበዋታት ኣመሓላሊፎም።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...