July 17, 2013

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን፡ ካብ 12 ክሳብ 14 ሓምለ ብድምቀት ተኻዪዱ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን፡
ካብ 12 ክሳብ 14 ሓምለ ብድምቀት ተኻዪዱ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን፡ ካብ 12 ክሳብ 14 ሓምለ ብድምቀት ተኻዪዱ።

“መኸተ ድርዕና። ስራሕ ክብርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብዝተፈላለየ መደባትን ዕዙዝ ሱታፈ ዜጋታትን ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ መበል 17 ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን፡ ብ14 ሓምለ ብድምቀት ተዛዚሙ።

እቲ ብሓላፊ ፖለትካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ዝተኸፍተ ኣብ ከተማ ጊሰን ዝተኻየደ ፈስቲቫል። ሰሚናራት። ቍሸት ህጻናት። መደብ ስነ-ጽሑፍ። ስእላዊ ምርኢት። ዘተ መንእሰያት። ንመኸተን ህዝቢ ኤርትራ ዘጕልሕ ድራማን ባህላዊ መደብን ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን፡  ካብ 12 ክሳብ 14 ሓምለ ብድምቀት ተኻዪዱ።

ኣቶ የማነ ገብርኣብ። ንህሉው ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ኩነታት ሃገር። ዘለናዮ መድረኽ ምስ ዝሓለፈ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ብምንጽጻር ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ህዝቢ ኤርትራ ንደርማስ ብድሆታትን መሰናኽላትን ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ብጥምረት ስለዝገጠመ፡ ቀሲኑ ሃገሩ ኣብ ዝሃንጸሉ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ብምሕባር። ህላወ ልኣላዊትን ሓራ ፖለቲካዊ ምርጫኣ ዝወነነትን ኤርትራ ንምህናጽ ዝካየድ ጻዕሪ ብኣድማዕነት ንኽሰላሰል፡ ህዝባዊ ግንባር ብኹሉ መዳያቱ ክሕይል ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ፣

ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ፈስቲቫል። “ሓቅታት ብዛዕባ ዘይመንግስታውያን ግብረ-ሰናይ ማሕበራት”። “ምዕባለ ስፖርት ኣብ ኤርትራ”፡ “ጠቐነን ሕቡእ ኣጀንዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” ብዝብሉን ካልኦትን ዛዕባታት ኣስተምህሮታት ክቐርቡ እንከለዉ። ብህዝብን መንግስትን ኣብ ዝውሰዱ ዘለዉ እዋናዊ ውሳኔታትን ዝትግበሩ ዘለዉ ናይ ልምዓት መደባትን ብዕቱብ ከምእተዘተየ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2012/2013 ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ዝዛዘሙ። ከምኡ’ውን ሞያውን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶምን ዝወድኡ ኤርትራውያን ተመሃሮ፡ ካብ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ወረቐት ምስክር ተቐቢሎም፣

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝተስገደደ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን እገዳታት ብምዅናን። መስርሕ ህንጸትን ልምዓትን ሃገርና ንምዅላፍ ንዝጥጅኡ ሽርሒታት ብንቕሓት ክምክቱ። ንደቆም ብኤርትራዊ ክብርታት ክዅስኵሱ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሳ ብልጽግትን ዘይትድፈርን ሃገር ንምህናጽ ኣበርቲዖም ክጽዕቱ። ምኡ’ውን ብህዝብን መንግስትን ንዝውሰዱ ዘለዉ እዋናዊ ውሳኔታትን ዝትግበሩ ዘለዉ ናይ ልምዓት መደባትን ከበርኹ ውሳኔታት ብምምሕልላፍ። ንተራን ኣበርክቶን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ሃገራዊ መደባት መጕሶም።

እቲ ፈስቲቫል፡ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ስነ-ጥበባውያን ከምኡ’ውን ካብ ኤርትራ ዝኸደት ጉጅለ ባህሊ ዋልታ ብዘቕረብዎ መደብ ደሚቑ ነይሩ።

ኣስመራ፣ ከተማ ሕልምታት – Asmara: City of Dreams

Föderation für Weltfrieden – Universal...

President Isaias Holds Talks with PRC Communist...

Celebration & Forum held in Vienna Austria on...

ኣስመራ፣ ከተማ ሕልምታት – Asmara: City of Dreams

New Agricultural Laboratory inaugurated